ቆጵሮስ፡ ስደተኛታት ብዘይ መጽለሊን ስራሕን ይተርፉ

ስእሊ፥ ቢዝነስ ሪኮርደር። ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ከተማ ኒኮስያ ናይ ቆጵሮስ እንዳኣተው።
መንግስቲ ደሴት ቆጵሮስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝኽተሎ ዘሎ ጓናዪ ፖሊሲ ዳግመ ግምት ክገብረሉ፡ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ። እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ነቲ ጻውዒት ዘቕረበ ፡ ኣብ ደሴት ቆጵሮስ ዝርከቡ ስደተኛታት መሰረታዊ ጠለባት ሂወት ተሓሪሙዎም ኣብ ሕሱም መነባብሮ ወዲቖም ምህልዎም ድሕሪ ምግንዛቡ እዩ።
ኣብታ ደሴታዊት ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ነቲ ኣህጉራዊ ወኪል ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ክሳዕ ግዳም ሓደር ክኾኑ ዝቕስቦም ሕጽረታት መግብን መጽለሊን ብቐጻሊ ከምዘጓንፎምን፡ ካብ መንግስቲ ዝግበረሎም ኩሉዓይነታዊ ደገፋት ከኣ ኣዚዩ ትሑት ከምዝኾነ እዩ።

“ጨንፈር ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ደሴት ቆጵሮስ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ንከባቢ 4 ዓመታት ብዛዕባ ዝቕጽል ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት እቶም ኣብ ኮፊኖ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ መቐበሊ ማእከልን ዘለው ስደተኛታትን፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ማሕበረሰባት እታ ደሴት ዝጽንበሩ ሓተቲ ዑቕባ ተሓሪሙዎም ብዛዕባ ዘሎ እኹል ማሕበራዊ ደገፋትን ኣበልኪቱ ንነዊሕ እዋን ክዘራረብ ጸኒሑ እዩ። ዛጊት ብመንግስቲ ቆጵሮስ ዝተገብረ ፍታሕ ግና የልቦን። መነባብሮ ስደተኛታ ትሕቲ እቶም ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መስመር ድኽነት ዝነብሩ ሰባት’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡” ይብል ሓላፊ ጨንፈት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብታ ደሴት ኣቶ ዳውቲው ደሳሊን ።

መንግስቲ ቆጵሮስ ንስደተኛታት ዝጉንዖ ገንዘባዊ መቚነን 220 ኤሮ ንወርሒ ኮይኑ፡ እቲ መጠን ገንዘብ – ስደተኛታት ንናይ መግቢ፡ ማይ፡ መጽለሊ፡ ኤሎክትሪክን መጓዓዝያን ጠለባቶም ክሽፍኑሉ ዘይክእሉ ኣዚዩ ውሑድ ምዃኑ እዩ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ዝገልጽ። ስደተኛታት ንገዛ ኽራይ ተባሂሉ ዝወሃቦም ተወሳኺ 100 ኤሮ’ውን እንተኾኑ ካብቲ ንሓንቲ ንእሽቶ ኣፓርታማ ክትካረ ዘድሊ መጠን ገንዘብ ብዕጽፊ ዝተሓተ እዩ። ስለዝኾነ ሓያሎ ስደተኛታት ብዘይ መጽለሊ ኣብ ቃልዕ ጎደናታት ክነብሩ ይግደዱ ኣለው።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2017, ኣብ ክልተ ከተማታት ዝርከባ ጨናፍር ኣብያተ-ጽሕፈት ‘ማሕበራዊ ደገፍ’ ነቲ ንስደተኛታት ዝህበኦ ናይ ገዛ ኽራይ ገንዘባዊ ደገፍ ብፍርቂ ማለት ናይ 50 ኤሮ ከጒድልኦ ድሕሪ ምውሳነ እውን- ሓያሎ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ መንበሪኦም ንኽባረሩ ኣቃሪቡ ምህላው ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ቆጵሮስ’ውን ሓተቲ ዑቕባ ኣብተን ቀዳሞት 6 ኣዋርሕ ዝኾነ ስራሕ ክሰርሑ ስለዘይፍቀዶም፡ ድሕሪ እተን ኣዋርሕ ክሰርሑሉ ዝኽእሉ ዓውዲ’ውን እንተኾነ ኣዚዩ ትሑት ገንዘብ ዝኣታዊኡ ጉልበታዊ ስራሕ ስለዝኾነ ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ቀጻሊ ቊጠባዊ ቅልውላው ክሽመሙ ከምዝረኣዩ ይግለጽ።

ኣቦ-መንበር’ቲ ኣብ ቆጵሮስ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ደቅ-ሰብ ንምግታእ ዝሰርሕ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ቆጵሮስ ሰሪቱ ዝመስል ሕሱም መነባብሮ ስደተኛታት እዋናዊ ፍታሕ ክርከቦ፡ ምስ ወኪል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ስደት ውሽጣዊ ጉዳያትን ዜግነትን ከምኡ ድማ ምስ ባይቶ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ተራኺቡ ክዘራረብ ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ።