እስራኤል፥ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ንግዱድ መጥረዝቲ ይቋወሙ
ስደተኛታት ኣብ ከተማ እዮሩሳሌም ተቛውሞኦም እንዳስምዑ። ስእሊ፥ ዮናታን ሲንደል/ ፍላሽ90
ዓሰርተታት ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ብ 21 ጥሪ ኣብ ከተማ ኢዮሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ከባቢ መንገሪ ገዛ ፕረዚደንት እስራኤል ሩቨን ሪቭሊን ብምትእኽኻብ ነቲ እታ ሃገር ኣሽሓት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ብሓይሊ ንምግዓዝ ሰሪዓቶ ዘላ መደብ ዘለዎም ተቛውሞ ኣስሚዖም።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2017 ሃገራዊ ባይቶ እስራኤል ነቲ ንስደተኛታት ከም ኣስጋእቲ ሃገራዊ ጸጥታ ዝጠቅስ ሕጊ ዳግማይ ብምሕዳስ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዝዓበየ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ክዑጾን ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብሓይሊ ክጥረዙን ዝግድድ ሓድሽን ተሪርን ውሳኔ ምሕላፉ ይፍለጥ።
እቲ ሓድሽ ውሳኔ፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንዝወሃቦም ንኡስ ናይ ጁባ ገንዘብ ተቐቢሎም ክወጹ፡ ተዘይኮይኑ ማእሰርቲ ክጽበዮም ምዃኑ ዘጠንቅቕ እዩ።
ሓያሎ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ግና ኣብ ሃገሮም ጸጥታዊ ስግኣት ስለዘለዎም ካብ ክምለሱ ኣብ እስራኤል ክእሰሩ ከምዝመርጹ እዮም ዝሕብሩ ዘለው።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ እቲ ውሳኔ ዘይውሑስን ንጹርነት ዝጎደሎን ከምዝኾነ ብምውቃስ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ጉዳይ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ጸዊዑ ኣሎ።
እቲ ተወሲኑ ዘሎ መደብ ስደተኛታት ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናይ’ዚ ዓመት ናይ መፋነዊ 3,500 ዶላር ኣሜሪካን ነጻ ናይ ነፋሪት ቲኬትን ሒዞም ካብ እስራኤል ክለቊ ዘገድድ እዩ።
ኣብ እስራኤል መብዛእትኦም ካብ 2006 ክሳዕ 2012 ዝኣተው ልዕሊ 40 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዘለው እዩ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝሕብር። ካብቶም 40 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 72 ሚሽታዊት ኤርትራውያን ክኾኑ ኸለው እቶም 20 ሚእታዊት ድማ ሱዳናውያን እዮም።
ኣብ እስራኤል ዝረከቡ ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን – ሕጋውያን ስደተኛታት ወይ ሓተቲ ዑቕባ ዘይኮኑ ናይ ቊጠባ ስደተኛታት ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ደጊሙ ገሊጹ’ዩ።
ቅድሚ’ቲ ናይ 21 ጥሪ ተቛውሞ፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ ሀርዝልያ ዝርከብ ኤምባሲ ሩዋንዳ ብኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ተደናገጽቲ እስራኤላውያንን ሰፊሕን ሓያልን ተቛውሞ ከምዝተኻየደ’ውን ይንገር። ኣብቲ ተቛውሞ ሰልፈኛታት ናይ ሓደ ብመንግስቲ እስራኤል ተጠሪዙ ናይ ውሕስቲ ሃገር ክበጽሕ ህይወቱ ዝሰኣነ ኤርትራዊ ግዳይ ስእሊ ዝተሰቕሎም ታቤላታት ሒዞም ተቛውሞኦም ከምዘስምዑ ይሕበር።
“ ሎሚ ኣብ’ዚ ተኣኪብና ዘሎና ነቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሩዋንዳን ተበጺሑ ዘሎ ብገንዘብ ንምስጓግና ዝዓለመ ስምምዕ ዘሎና ተቛውሞ ንምንጻር እዩ ይብል” ሓለፎም ሱልጣን ዝተባህለ ናብ እስራኤል ኣብ 2009 ዝኣተወ ኣቦ ክልተ ውሉድ ዝኾነ ወዲ 31 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ። “ናብ ኤርትራ ክንምለስ ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። እስራኤል ድማ ነዚ ጽቡቕ ጌራ ትፈልጦ እያ ። ናይ ሩዋንዳ ዘኽይድ ምኽንያት ክህሉ ኣይግባእን፡ እስራኤል ድሕነትና ከተውሕስ ሓላፍነት ኣለዋ፡” ይብል ንሱ ወሲኹ።
“ሰባት ካብ ናብ ሰልሰይቲ ሃገር ምግዓዝ ናብ ማእሰርቲ ምምራሕ ከምዝሓይሽ እዮም ዝዛረቡ ዘለው። መንግስቲ ሩዋንዳ ንዝቕበሎም ስደተኛታት ድሕነቶም ኣየውሕስን’ዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ዝበዝሑ ካብቶም ዛጊት ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ዝተሰማምዑ ስደተኛታት ኣትዮም ነዊሕ ከይጸንሑ ካብ’ታ ሃገር ኣርሒቖም እዮም ፡” ይብል የውሃንስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ ን ዘ-ጋርዲያን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
ገለ ካብቶም ናብ ሩዋንዳ ዝገዓዙ ስደተኛታት ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ካብ ዝተጓዓዙላ ነፋሪት ኣብ ዶብ ሩዋንዳ ብዘይ ዝኾነ ሰነድ ኣብ ጸላም ተራጊፎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ከምርሑ ከምዝንገሮም እዩ።
ዛጊት ካብ 10 ክሳዕ 20 ዝበጽሑ ካብ እስራኤል ብሓይሊ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዝወሓሰት ሃገር ክበጽሑ ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ስኢኖም ምህላዎም እዩ ‘ኮማዊ ማእከል ኤርትራውያን ደቀንስትዮ’ ዝተባህለ በርጌሳዊ ኣካል ዝሕብር።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ