21 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ተጣይሶም

ስእሊ፥- ኣገልግሎት ፈነወ ፋና። ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብ24 ጥሪ ኣዲስ ኣበባ ኽኣትዉ ኸለዉ።

21 ዝዀኑ፡ ሓሙሽተ ደቅንስትዮ ዝርከብኦም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ብተበግሶ ኣይ ኦ ኤምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓጊዞም ብ24 ጥሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
ብመሰረት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ መለሰ ኣለሙ፡ እቶም ጉጅለ ተመለስቲ ፈለምቲ ናይ ብዙሓት ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉጅለታት እዮም። ንኻልኦት 45 ኢትዮጵያውያን’ውን ናይ ጕዕዞ ሰነዳት ተሰሪሑሎም፡ ኣብ ዝቐረበ ግዜ ካብ ቤንቓዚ ናብ ትሪፖሊ ኽምለሱ እዮም።

እቲ ኣፈኛ፡ ኣብ ሊብያ ዘሎ ዕግርግርን ግጭትን ነቲ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝበድሆ ገሊጹ። እንተዀነ፡ “መንግስቲ ብዝዀነ ዋጋ ዜጋታቱ ኽመልስ ጻዕሩ ክቕጽል እዩ፡” ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ብቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ዝተፈነወ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክሽየጡ ኸለዉ ዘርኢ ኣሰምባዲ ስእልታት ብ7 ታሕሳስ እያ ዜጋታታ ኻብ ኢትዮጵያ ኽትመልስ ዘለዋ መደባት ኣፍሊጣ። እቲ ናይ ምምላስ መስርሕ በቲ ዘድሊ ናይ ጕዕዞ ሰነዳት ዝሰርሓሎም ዘሎ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተሳለጠ እዩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽን ማሕበራዊ ጉዳያት እቲ ሕብረት ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ክመልስ ይተሓጋገዝ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝበዝሕ እዋን ምጭዋይ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ስቓይን ጾታዊ ግፍዕን ዝርከቦ ኣስካሕካሒ ጭካነ ይወርዶም።