ኣልጀርያ ስደተኛታት እናሰጐጐት ኣብ ምድረበዳ ትጕሕፍ

ስእሊ፦ ኣይ ኦ ኤም/ ኣማንዳ ኔሮ 2016። ካብ ኣልጄርያ ዝተመልሱ ናይጀርያውያን ኣብ መሰጋገሪ ስደተኛታት ኣይ ኦ ኤም ኣብ ኣጋዴዝ፡ ኒዤር።
ኣልጄርያ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እናገፈፈት ምስ ኒዤር ኣብ ዘዳውባ ምድረበዳ ትገድፎም ከምዘላ ራድዮ ፍራንስ ኢንተርናስዮናልን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ብለይቲ ተገፊፎም ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ይድርበዩ እሞ፡ ብናይ ሰራዊት ናይ ጽዕነት መካይን ተወሲዶም ኣብ መንጎ ታማንራሰት ናይ ኣልጄርያን ኣርሊት ናይ ኒዤርን ኣብ ዝርከብ ምድረበዳ ይድርበዩ። እቶም ስደተኛታት ካብ ሰዓታት ክሳብ መዓልታት እንተጓዕዙ ዘድሕኖም ክርከብ ይጽበዩ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ክሳብ 1,000 ኣብ ምድረበዳ ኒዤር ብመንግስቲ ኣልጄርያ ዝተደርበዩ ስደተኛታት ከምዘድሓነ ይሕብር።
ብመሰረት ብጥቅምቲ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጸ ጸብጻብ፡ ብ22 መስከረም ኣብ ከተማ ኣልጄርስን ከባቢታታን ፖሊስ ኣልጄርያ ንዝረኸብዎም ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዝመሰሎም ክኣስሩ ምስተራእዩ ሓድሽ ማዕበል ማእሰርትታት ጀሚሩ።
እቲ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ እቶም ሰብ መዚ እቶም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ክቕመጡ መሰል ዘለዎም ድዮ ዘይብሎም ከረጋግጹ ፓስፖርትታት ወይ ካልእ ሰነዳት ኣይረኣዩን። ገለ ኻብቶም ዝተሰጐጉ ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ክዀኑ ኸለዉል ካልኦት ድማ ዘይወደቐ ቪዛ ኔርዎም።
“ከም ዝመሰለካ ብሕብሪ ቘርበትን ብዝገመትካዮ መበቈል ሃገሮምን ገፊጥካ ኣማኢት ሰባት ክትሰጕጕ ዘኽእል ምኽኑይ ርትዒ የለን፡ እዚ ሕንከት ዘይብሉ ኣብ ሕብሪ ቘርበት ዝምርኰስ ኣፈላላይ እዩ፡” ትብል ሄባ ሞራየፍ ዝተባህለት ሓላፊት መጽናዕቲ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።
ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት እዚ ዓመት፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ዝበጽሑ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ካብ መሬት ኣልጄርያ ተሰጒጎም ኣለዉ። ካብቶም ዝተሰጐጉ ንዓመታት ኣብ ኣልጄርያ ዝተቐመጡን ዝሰርሑን፡ ነብሰጾራት፡ ሓደስቲ ናጽላታት ዝሓዛ ስድራቤታትን መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናትን ይርከብዎም።
ኒዤር ብተደጋጋሚ እያ ነቲ ንዜጋታታ ዝግበረሎም ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ተቓዊማቶ። ሲቪላውያን ማሕበራት ኣብ ጊኒ፡ ጋቦንን ኒዤርን ውን ንሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ኸቕርቦ ኽደፍኡ ጸኒሖም እዮም።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣልጄርያ ተወሰኽቲ 3,000 ስደተናታት ከተፋኑ ትዳሎ እያ ዘላ።