ኣብ ምእታው ልዕሊ 400 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም
ስእሊ፦ ሲ ኤን ኤን። ማእከላይ ባሕሪ ኣብ 2017 ንስደተኛታት ‘ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ቐታሊ ዶብ’ ተባሂሉ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ካብ ምእታው 2018 404 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሓቢሩ። እዚ ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ 261 ሞት ኣዝዩ ይልዕል። ምስቶም ካልኦት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝሞቱ 221 ስደተኛታት ደሚርካ፡ ቁጽሪ ኣብ ምእታው እዚ ዓመት ኣብ ዝነበረ ወርሕን ፈረቓን ዝሞቱ ስደተኛታት 625 ይበጽሕ።
መብዛሕትኦም እቶም ሎሚ ዓመት ኢጣልያ ዝኣትዉ ዘለዉ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዝወሓዱ ዝሰዳ ዝነበራ ሃገራት ኰይኖም፡ ኤርትራውያን፡ ቱኒዝያውያን፡ ፓኪስታናውያን፡ ናይጄርያውያንን ሊብያውያንን ዝበዝሐ ቝጽሪ ኣመዝጊቦም።
ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኽሰግሩ ዝፍትኑሉ ማእከላይ መስመር ማእከላይ ባሕሪ እቲ ዝበዝሐ መቕዘፍቲ ዘጋጥመሉ መስመር ኰይኑ፡ ኣብተን ቀዳሞት 7 ሰሙናት ናይዚ ዓመት 365 ሰባት ቀቲሉ። ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ዝበጽሑ ኻብቶም ናይ ማእከላይን ምብራቓውን ሸነኻት ዝውሕዱ እኳ እንተዀኑ፡ እቲ መስመር ውን ሓደገኛ እዩ። ኣብዚ ዓመት ኣብ መንጎ ሰሜን ኣፍሪቃን ስጳኛን ኣብ ዘሎ መስመር ሰማንያን ትሽዓተን ስደተኛታት ሞይቶም ወይ ጠፊኦም ኣለዉ።
ብመሰረት ኣብ 2017 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ንማእከላይ ባሕሪ ‘ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ቐታሊ ዶብ’ ክብል ሰይምዎ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ 2000ን 2017ን ኣብ ዘሎ ዓመታት እንተወሓደ 33,761 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም ወይ ጠፊኦም እዮም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ