ወኪል ሓለዋ ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ምጅማር ካብቲ ቅልውላው ስደት ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ ሕጂ ዝወሓደ ቝጽሪ ስደተኛታት ከምዝመጹ ይሕብር

ናይ ሕብረት ኢውሮጳ ወኪል ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ዝዀነ ፍሮንቴክስ ዓመታዊ ገምጋም ተኽእሎ ሓደጋታት ዝግምግም ጸብጻቡ ብምቕራብ፡ 2017 ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝወሓደ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተራእየላ ዓመት ከምዝነበረት ኣረዲኡ።

ኣብ 2017 ኤውሮጳ ዝበጽሑ 204,700 ናይ 60% ምጕዳል ብምርኣይ ምስቶም ኣብ ኣብ 2016 ዝኣተዉ 511,000 ይወዳደሩ።

እቲ ምጕዳል ዋሕዚ ብፍላይ ኣብቲ ንቱርኪ ምስ ግሪኽ ዘራኽብ መስመር ስደት ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕርን ኣብቲ ንሊብያ ምስ ኢጣልያ ዘራኽብ ማእከላይ ሸነኽን እዩ ተራእዩ። ኣብቲ ምብራቓዊ መስመር፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2016 ምስ ቱርኪ ስምምዕ ምስፈረመ ቁጽሪ እቶም በቲ መስመር ዝኣትዉ ዝነበሩ ኣዝዩ ጐዲሉ።

መወዳእታ 2017፡ ድሕሪ እቲ ጸብጻባት መሸጣ ባራዩን ሕሉፍ ዓመጻትን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንመላእ ዓለም ዘሰንበዱሉ እዋን፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋታተን ከድሕና ምስ ወኪላት ሕቡራት ሃገራት ክተሓባበራ ኽግደዳ ኸለዋ፡ ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገራቶም ብፍቓዶም ዝተመልሱሉ እዩ ኔሩ።

ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡ ምስ ኢጣልያዊ ወኪል ዜና ኣንሳ ኣብ ዝተዘራረበሉ፡ ጠቕላሊ ኣካያዲ ፍሮንቴክስ ፋብሪስ ሌገሪ ኣብ 2017 ልዕሊ 150,000 ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ከምዝተጣየሱ ገሊጹ።

ሌገሪ ወሲኹ፡ ኣብ 2018 ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ መሊሱ ኸምዝቐነሰን፡ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙናት ለካቲት 300 ሰባት ጥራይ ኢጣልያ ኸምዝኣተዉን ሓቢሩ።