ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ፡ — ብባሕሪ ዝሰግሩ ስደተኛታት ክዕገቱ ኣለዎም

እንግሊዝ ስደተኛታት ኣብ ምኽልካል ዝዋፈራ ክፋል ሓይሊ ኔቶ ዘቑማ መራኽብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ከተዋፍር’ያ። ቀዳማይ ሚኒስተር ደይቪድ ካሜሮን፡ ሃገሩ ናብቲ ኣብ መንጎ ቱርኪን ግሪኽን ዘሎ መሳገሪ ባሕሪ መራኽባ ብምስዳድ ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብ ምዕጋት ክትነጥፍ ምዃና ገሊጹ ኣሎ።

ሓንቲ ናይ ሓይሊ ባሕሪ እንግሊዝ መርከብ ብሄሊኮፕተር ናይ ሓለዋ ዑደት ዘካይዱ ኣሃዱ ኣዋፊራ፡ ንሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ብጃላቡ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣበይ ከምዘለዉ እናሓበረት ከተትሕዞም’ያ። ነዚ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንኤውሮጳ ዘጋጠማ ዝኸፍአ ዕልቕልቕ ስደተኛታት ንምግጣም መራኽብ እንግሊዝ ምስ ናይ ካናዳ፡ ጀርመን፡ ግሪኽን ቱርኪን ሓቢረን ካብ ፈለማ’ዚ ወርሒ ስርሒታት የካይዳ ኣለዋ።

ካሜሮን ነዚ ኹነታት፡ ‘እዚ ናይ ስደተኛታት ዕልቕልቕ ንኤውሮጳ ገጢምዋ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ’ዩ’ ብምባል ገሊጽዎ። እቲ እንግሊዛዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ናይ ባሕሪ ወፍሪ ‘ንኣስገርቲ ንምዕጋትን ነቶም ናብ ኤውሮጳ ኽብገሱ ዝሓስቡ ክንመልሶም ምዃንና ንጹር መልእኽቲ ንምስዳድን ዝኸውን ጽቡቕ ዕድል’ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ከም ዝፍለጥ ብብዝሒ ስደተኛታትት ዒቕ ዝበሎም ዝተፈላላዩ ሰበ ስልጣናት ኤሮጳ፥ ኣንጻር ዋሕዚ ስደተኛታት ተረርቲ ስጉምታት ኵዉሰድ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፎም፥ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ምምላስ ስደተኛታት ንጡፍ ተራን ምትትእትታው ክህልዎ ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለዉ።