ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣማኢት ስደተኛታት ዓጊቱ
ስእሊ፦ ኣይ ኦ ኤም ሊብያ/ ትዊተር፡ 8 ግንቦት 2018. ኣብ ውሽጢ ኽልተ መዓልቲ ናብ 900 ዝቐርቡ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ይምለሱ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ መራኽብ ሊብያ ብ6ን 7ን ግንቦት ኣብ ማያት ምዕራባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ልዕሊ 800 ስደተኛታት ዓጊተን። ብ6 ግንቦት ኣብ ሰስለስተ ስርሒታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 316 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ማያት እታ ሃገር ኣድሒኑ።
“ሓለዋ ባሕሪ፡ ካብ ዛውያ 21 ኪሎሜተር ርሒቖም ኣብ ጃልባ ጐማ ዘንሳፍፉ ዝነበሩ 114 ስደተኛታት ኣድሒኑ፡” ይብል ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቓስም ምስ ሺንህዋ ኣብ ዝተዛረበሉ።
ኣብቲ ኻልኣይ ስርሒት 97 ካብ ሓንቲ ጃልባ ኽድሕኑ ኸለዉ፡ 105 ድማ ኣብ ጥቓ ገማግም እታ ካብ ትሪፖሊ ናብ ምዕራብ 120 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዝዋራ ድሒኖም።
ባስም ኣልቕራብሊ ዝተባህለ ሓላፊ ክፍሊ ጸረ-ዘይሕጋዊ-ስደት ከተማ ሳብራታ፡ ክልተ ብገበናት ቅትለትን ብረት ዓጢቕካ ምስራቕን ዝድለዩ ዝነበሩ ሊብያውያን ገበነኛታት ኣብታ ናብ ኢጣልያ ትኸይድ ዝነበረት ጃልባ ኸምተረኽቡ ገሊጹ።
ብ7 ግንቦት፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ኣርባዕተ ጃልባታት ጐማ ዝነበሩ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ከምዝሓዘ ገሊጹ።
18 ሊብያውያን ዝርከብዎም ዝበዝሑ ሰሜን ኣፍሪቃውያን ዝዀኑ 100 ዝበጽሑ ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባውን ኣብ ጥቓ ከተማ ሳብራታ ተዓጊታ።
ካልኦት ብድምር ልዕሊ 400 ስደተኛታት ዝጸዓና ሰለስተ ጃላቡውን ኣብ ጥቓ እታ ካብ ትሪፖሊ ንምብራቕ እትርከብ ቓራቡሊ ተታሒዘን።
ኩሎም እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ምብራቕ እታ ርእሰ ኸተማ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ተታሒዞም ኣለዉ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ናይ ጥዕናን ንድሕነቶም ዝምልከትን መምዘኒ፡ ናብ መቕርቦም ምድዋል ከምኡ ድማ መግብን ማይን ዝርከቦ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገበረሎም ገሊጹ። ኣርባዕተ ስደተኛታት ንዝያዳ ኽንክን ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
ኣብዚ ዓመት ክሳብ ፈለማ ግንቦት ልዕሊ 5,947 ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብታ ሃገር ተመሊሶም ኣለዉ።
ኣብተን ቀዳሞት 125 መዓልታት ናይዛ ዓመት ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ 23,175 ስደተኛታት ፍርቂ ናይቶም ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝኣተዉን፡ 13% ናይቶም ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ 2016 ዝኣተዉን ስደተኛታት እዮም።
ክሳብ ፈለማ ግንቦት እንተወሓዱ 619 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ኽሞሩ ኸለዉ፡ 62 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ 60 ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ፡ 35 ድማ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ሞይቶም።
ብመሰረት ጸብጻባት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ 6,660 ዝበጽሑ ኣብዚ ዓመት ክሳዕ ምእታው ግንቦት ብሊብያ ኣቢሎም ኢጣልያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ካብቶም ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣተዉ ብ80% ዝወሓዱ እዮም።
ኣብዚ ዓመት ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ክሞቱ ዘለዎም ተኽእሎ ካብ ናይ ዓሚ ብኣርባዕተ ግዜ ይገድድ።
TMP – 10/06/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ