ግብጺ 75 ጥርጡራት ኣሰጋገርቲ ሰባት ቀዪዳ

ጥርጡራት ኣሰጋገርቲ ሰባት ናይ ቤት-ማእሰርቲ እንዳምርሑ። ስእሊ፥ ኒዮን ኔተል

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኢድ ኣለዎም ንዝበልዎም 75 ሰባት ከምዝቐየዱ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ‘መና’ ሓቢራ፣
እቶም ሰብሰልጣን መንግስቲ፡ ዜጋታት ግብጽን ወጻእተኛታትን ዝርከብዎም እሱራት ፡ ካብ ቀንዲ ኣካላት ጸረ-ብምልሽውና እታ ሃገር ከምዝኾነ ዝንገረሉ ክፍሊ ቊጽጽር ሕእላፍነት (ACA) ድሕሪ ዝገበሮ ን14 ኣዋርሕ ዝኸደ መርመራ ዝተለለዩ ምዃኖም ክፍለጥ ተኽኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት መግለጺ ማዕከን ዜና ‘መና’፡ ልዕሊ 250 ኣባላት ዝጠርነፈ ናይ ስርሒት ኣሃዱ ክፍሊ ቊጽጽር ሓላፍነት ኣብ ከም ካይሮ፡ ጊዛ፡ ኣለክሳንድርያ፡ ጋርቢያ፡ዳቓሊያን ካፍር ኤልሼኽን ድሕሪ ዘካየዶ ተፍትሽን ኮለላን ነቶም 75 ጥርጡራት ገበነኛታት ከምዝቐየዱ እዩ።

ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ባጤራታት፡ ኮምፒዩተራት፡ መሳለጢ ዘይሕጋዊ ርኽክብ፡ መጸናጸኒ መሳርሒታትን ዝተተምየኑ ማሕተማት ትካላት መንግስቲን ኣብ መበሪን መሳርሒን ቦታ እቶም እሱራት ከምዝተረኽበ እውን ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ምዝዛም 2016፡ ሃገራዊ ባይቶ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲ ሰባትን ደለልቲን ጽኑዕ ማእሰርቲን ገዚፍ ገንዘባዊ መቕጻዕቲን ዝጽዕን ተሪር ሕጊ ምሕላፉ ይፍለጥ። እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ንሽበራ ዝዋፈሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምስጋር፥ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ሰጋሮ ክሳዕ ሞት ዝኸይድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣብ ምፍጻም፥ ደቅንስትዮን ትሕቲ-ዕድመን ወገናት ኣብ ምስግጋር፥ ከምኡ’ድማ ወረቓቕቲ ስደተኛታት ኣብ ምትምያን ኣብ ልዕሊ ዝዋፈሩ ገበነኛታት ክሳዕ ንሕልፈት ዝኸይድ ነዊሕ ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ክፍረዱ ዝውስን እዩ።