ዓቢ ምጕዳል ቁጽሪ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ምእታው 2018

ኣህጉራዊ ውድብ ስደት፡ ፍርቂ ናይቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኤውሮጳ ዝበጽሑ፡ 10,949 ስደተኛታት ጥራይ ኣብ ምእታው 2018 ኤውሮጳ ከምዝበጽሑ ሓቢሩ።
ፍርቂ ናይቶም ስደተኛታት ብማከላይ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ዝበጽሑ ክዀኑ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ብግሪኽን ስጳኛብ ዝኣተዉ እዮም። ናይ ሎሚ ዓመት ቁጽሪ ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኤውሮጳ ዝበጽሑ 20,051 ስደተኛታት እዩ።
ብመሰረት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ፡ 5,457 ስደተኛታት፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ናይቶም ናይ ዓሞ 15,843 ስደተኛታት እዮም ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ በጺሖም። ኣብተን ናይ ፈለማ 9 ሰሙናት 2018፡ ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ሲሶ ናይቶም ዓሚ መዓልታዊ ዝኣትዉ ዝነበሩ 240 ስደተኛታት ዝዀኑ 83 ዝበጽሑ ስደትኛታት መዓልታዊ ናብ ኢጣልያ ኣትዮም።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማርኮ ሚኒቲ ምስ ቴሌቪዥን ራይ ኡኖ ብ20 ለካቲት ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኢጣልያ ኣብዚ እዋን እዚ ንገማግም ባሕሪ ብዝግባእ ከምዝተቘጻጸረቶ ሓቢሩ ኽብል፡ ኣገልግሎት ዜና ኣንሳ ብለካቲት ሓቢሩ። ቁጽሪ ኢጣልያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ብተኸታታሊ ንሸሞንተ ወርሒ ይጐድል ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ “ነዚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣእቲናዮ ዘለና ተርእዮ ዋሕዚ ስደት ክንቈጻጸሮ ፈቲንና፡” ይብል እቲ ሚኒስተር። “ኣብ ለካቲት ናይዚ ዓመት እዚ ካብ ናይ ለካቲት ዝሓለፈ ኦኣመት ናይ 90% ምጕዳል ርኢና።”
ምስቲ ኣብ 2015 ዝነበረ 143,544 ስደተኛታት በብመዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 2,142 ዝኣትዉኡ ዝነበሩ እዋን ክረአአ ኸሎ፡ ናይ ሎሚ ዓምት ቁጽሪ ኢጣልያ ዝነጽሑ ስደተኛታት ብልዕሊ 90% ቀኒሱ ኣሎ።
ቁጽሪ ናይቶም ክሳብ ቀዳማይ ሰሙን መጋቢት ኤውሮጳ ዝበጽሑ ምስናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን ክወዳደር ከሎ ሓደ ሲሶ ጥራይ እኳ እንተነበረ፡ ቁጽሪ እቶም ዝሞቱ 442 ስደተኛታት ግና ምስቲ ናይ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተመዝገበ 521 ቁጽሪ ምዉታት ክወዳደር ከሎ ብ15% ጥራይ እዩ ቐኒሱ።
ዝሓለፈ ሓምለ ዕጡቓት ጉጅለታት ምስቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ መንግስቲ ናብ ባሕሪ ዝኸዱ ስደተኛታት ክዓግቱ ስምምዓት ካብ ዝኣትዉ ንደሓር፡ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝበጽሑ ስደተኛታት ቁጽሪ ብፍጥነት እዩ ዝቕንስ ዘሎ።
ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሜላን ዕጥቅን ሓገዝ ክረክብ ዝጸንሐ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ መብዛሕትአን ካብተን ዘይመንግስታውያን ትካላት ምድሓን ህይወት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝነበረን ንጥፈታት ከቋርጻ ኽሳብ ዝግደዳ ኣብ ባሕሪ ብጐነጽ እናደፍአ ንስደተኛታት ናብ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ኽመልሶም ጸኒሑ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብዚ ዓመት ኣዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኦም ዘለዉ 442 ስደተኛታት፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ 27 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ 56 ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞ ስደት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ።