90 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሊብያ ኸምዝጠፍኡ ይግመት

ስእሊ፥ ኣሶሽዬይትድ ፕረስ። ልዕሊ ዓቕማ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ወኪ ልጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣይ ኦ ኤም፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካብ 90 ክሳብ 100 ስደተኛታት ጽዒና ኸምዝነበረት ዝተገመተት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናብ 2 ለካቲቲ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ምስጠሓለት ተሳፈርታ ጠፊኦም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ሓላፊት ኣይ ኦ ኤም ኣብ ሊብያ ዝዀነት ኦሊቭያ ሄደን፡ ኣብ ጥቓ እታ ካብ ትሪፖሊ 100 ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዙዋራ ዓሰርተ ሬሳታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ተገፊዑ ተረኺቡ።

በዓል መዚ ድሕነት ዙዋራ፡ ተቐማጦ እቲ ኸባቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሬሳ ኸምዝርኣዩ ጸብጻብ ከምዝበጽሖ ይገልጽ። ፖሊስ ኣብቲ ኸባቢ ምስበጽሑ ሬሳታት 10 ፓኪስታናውያንን ሓንቲ ሊብያዊት ሰበይትን ረኺቦም።

ክልተ ኻብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ናብ ገማግም ባሕሪ ሓንቢሶም ነብሶም ከድሕኑ ኸለዉ፡ ሓደ ኻልእ ድማ ገፈፍቲ ዓሳ ኣድሒኖሞ። እቶም ሓደ ሊብያውን ክልተ ፓኪስታናውያንን ዝደሓኑ፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝጠሓሉ ፓኪስታናውያን ከምዝነበሩ ገሊጾም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን፡ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 16 ፓኪስታናውያን ከምዝሞቱን ሬሳታት 12 ኻብኣቶም ከምዝተረኽበን ከምዘረጋገጸ ሓቢሩ።
ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ መሓመድ ፈይሰል፡ ዲፕሎማሰኛታት ሃገሩ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ በጺሖም ዝያዳ ዝርዝራት ክእክቡ ኸምዝኸዱ ንኣሶሽዬይትድ ፕረስ ገሊጹ። ንሱ፡ መንግስቲ ፓኪስታን ንሬሳታት እቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝጠፍኡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክወስዶ ኸምዝፍትን ኣረዲኡ።
ጸኒሑ’ውን እቲ ኣፈኛ፡ ኣስማትን ዝርዝራትን እቶም ግዳያት ኣብ ትዊተር ዘርግሒዎ። ሸሞንተ ሬሳታት ተረኺቦምን ናይ መን ምዃኖምን ክፍለጥ ከሎ፡ ኣርባዕተ ዝተረኽቡ ግና ብብጾቶም ተለልዮም እምበር መለለዪ ወረቐቓቲ ኣይተረኽበሎምን። ብተወሳኺ ወረቓቕቲ ናይ ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ሰባት ተረኺቡ’ኳ እንተዀነ፡ ሬሳታቶም ገና ኸምዘይተረኽበ ገሊጹ።

እዚ ዝተረጋገጸ ቁጽሪ ምዉታት ንድምር ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ 2018 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ 246 ኣእትይዎ።
ሰላሳ ኻልኦት ስደተኛታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሸውዓተ ድማ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክሳዕ’ቲ ግዜ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ጸብጻባት የረድኡ።
ኣይ ኦ ኤም ብተደጋጋሚ እዩ ብዛዕባ ነቶም በቲ ንሊብያን ኢጣልያን ዝረኽብ ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ኤውሮጳ ኸጋጥሞም ዝኽእል ብርቱዕ ሓደጋታት መጠንቀቕታታት ክህብ ጸኒሑ።

“ኩነታት ኣየር ሃዲኡ ኸምዝነበረ ፈሊጥና ኣለና፡ ስለዚ ድማ እቶም ኣስገርቲ– እንተወሓደ ህይወት ሰብ ዘይዓጥጦም ዝንጉዓት ኢና ኽንብሎም ንኽእል– ካብ መጠና ንላዕሊ እዮም ነታ ጃልባ ጽዒኖማ፡” ክብል ይገልጾ ነቲ ኹነታት ናይ ኣይ ኦ ኤም ሊዮናርድ ዶይል ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ። “ሰባት ነቲ ሓቂ ኸምዝሰምዕዎ ኽንገብር ኣለና፡ ኣብ ዝዀነ ኽፋል ዓለም ዘለዉ ኣማራጺ ዘይብሎም ዝመስሎም ሰባት፡ ናብ ዝሓሸ ህይወት ዝመጹ ዘለዉ ዝመስሎም ሰባት፡ እቲ ሓቂ ንሱ ኸምዘይኰነ ኸነረድኦም ይግባእ፡” ይብል።