ጥልያን፥ ስደተኛታት ኣብ ሕሱም መነባብሮ

ስእሊ፥ ኣሌሳንድሮ ፔንሶ። ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ፖርዴኖነ ናይ ጥልያን ስደተኛታት ንመደቀሲ ዝጥቀሙሉ መኽዘን።
ኣብ ጥልያን ልዕሊ 10,000 ስደተኛታት ብሰንኪ ሕጽረት ናይ መጻንሒ ቀረባት ኣብ ተኣፋፊ ሰብኣዊ ኩነታት ከምዝርከቡ ብማሕበር ሓካይም ብዘይዶብ (MSF) ተዋህሊሉ ዝወጸ እዋናዊ ጸብጻብ ኣረዲኡ።
እቲ ‘Out of Sight’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተሰነደ ጸብጻብ፡ ነተን ስደተኛታት ከም መንበሪኦም ዝጥቀሙለን ሻውላት፡ ሕሩማት ኣባይቲን ቃልዕ ከባቢታትን ድሕሪ ምክትታልን ምጽናዕን ንዝተኣከበ ሓበሬታ ምርኹስ ብምግባር ዝወጸ እዩ።
እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ከምዘነጽሮ፡ ሓያሎ ስደተኛታት ካብ ግዝያውያን መጻንሒ ማእከላት ድሕሪ ምስጓጎም ውሑስ መንበሪ ኣባይቲ ክረኽቡ ካብ መንግስቲ ዝግበረሎም ሓገዝ ኣዚዩ ውሑድ ብምዃኑ፡ በብነኣሽቱ ጉጅለታት ተጠርኒፎም ኣብ ሕሩማት ህንጻታት ክቕመጡ ይግደዱ ከምዘለው እዩ።
“እቲ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፈሊሙ በብእዋኑ ዝስነድ ዘሎ ጸብጻብ፡ ገለ ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶኦም እወታዊ ምላሽ ረኺቡ ክንሱ ብሕጽረት መሰረታውያን ጠለባት ህይወትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ቀጻሊ ይሳቐዩ ምህላዎም የነጽር ኣሎ፡” ይብል ሓላፊ ክፍሊ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ሓኻይም ብዘይዶብ ኣቶ ጁሴፐ ዲሞላ ።
.”ስደተኛታት ብሰንኪ ዘይእኹል ቀረብን ተሪር ፖሊሲ ሓለዋ ዶባትን ኣብ ተኣፋፊን ጓናዪን ኩነታት ይርከቡ ኣለው። ብዘይ’ካዚ፡ ስደተኛታት ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ነባሪ ከጸንብርዎም ዘኽእሉ ሃገራውን ዞባውን መርሓታት ከምቲ ዝድለ ይስረሓሎም የለን ፡” ይብል ኣቶ ዲሞላ።
ሕጽረት ቋንቋን ምምሕዳራዊ ደጎልን እውን ስደተኛታት እኹል ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን መሰረታዊ ጠለባት ህይወትን ከይረኽቡ ተወሳኺ ተጽዕኖ ፈጢሩ ከምዘሎ ይንገር።
‘Harmful Borders’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ ሓካይም በዘይዶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ተመሳሳሊ ጸብጻብ’ውን፡ ስደተኛታት ካብ ዓዲ ጥልያን ብኣጻድፍ ኣልፕስ ናብ ፈረንሳ ክሰግሩ ዝረኽብዎ መከራ ብደቂቕ ኣስፊሩ ኣሎ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ዶብ ፈረንሳ ምስ ተዓግቱ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ኩነታት ኣየርን ኣዚዩ ንኡስ ቀረብን ክናበሩ ከምዝግደዱ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።