ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ድሕነት ስደተኛታት ኣብ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ንምሕያል ስልጠና ይህብ
ስእሊ፥ ሜሊሳ ቱይ /ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት/
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ምስ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ብምትሕብባር ኣብ ምሕደራ ስደትን ድሕነት ስደተኛታትን ኣብ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ከምዝሃበ ተገሊጹ።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ታንዛንያ ዝተወደበ ስልጠና ልዕሊ 30 ዝኾኑ ወከልቲ መንግስትን ኣብ ጉዳይ ስደትን ጸጥታን ዝሰርሓ ሃገራውያን ማሕበራትን ኣባላት ሃገራት ዞባ ኢጋድ ከምዝተሳተፍዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኢጋድ ን ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፣ ሰሜን ሱዳንን ኡጋንዳን ዝጥርንፍ ዞባዊ ውድብ’ዩ።
ንሚኒስትሪ ማሕበረ-ኮም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኬንያ ወኪላ ኣብቲ ስልጠና ዝተሳተፈት ሜሪ ሚደቫ-ከዛሕ ንኣገዳስነት እቲ ስልጠና ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሰልጠንቲ ብዛዕባ እዋናዊ ልምዓታዊ ኩነታት ዞባ ኢጋድ እዂል ሓበሬታን ፍልጠትን ክውንኑ ዕድል ከምዝፈጠረ፡ እቲ ስልጠና ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ን ጉዳይ ስደትን ምሕደራ ዶባትን ሃገራውያን ፖሊሲታት ኣብ ዘማዕብላሉ ዘለዋ እዋን ዝተዋህበ ብምዃኑ ድማ ዝህልዎ ረብሓ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣገንዚባ።
ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ወኪሉ ዝመጸ ኮሎኔል ምሓመድ ስዒድ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ኣብ ሞንጎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ንስደትን ምሕደራኡን ኣብ ዝምልከቱ መዳያት ዝምዕብል ዘሎ ምትሕግጋዝ ዝነኣድ ምዃኑ ጠቒሲ፡ ተዋሂቡ ዘሎ ስልጠና- ወከልቲ ኣባላት ሃገራት ዞባ ኢጋድ ዘቤታዊ ምሕደራ ስደት ሃገራቶም ከጽፍፉ ዝሕግዝ ከምዝኸውን እምነቱ ገሊጹ።
ሓላፊ ተልእኾታት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ታንዛንያ ቃስም ሱፊ’ውን፡ ስልጠንቲ ቀሲሞሞ ብዘለው ፍልጠት ንኣሉታውን እወታውን ገጻት ስደት ኣብ ሃገራቶም ብዝግባእ ከማሕድሩ ተላቢዩ ኣሎ።
ኣብቲ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ብዝተዋህለለ ምሕጽንታታት መሰረት፡ ማእከል ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ መጻኢ ተመሳሰልቲ ስልጠናታት ከካይድ ዘኽእል መርሓ ከማዕብል ከምዝኾነ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ኩለን ኣባላት ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ካብ ቀዳሞት ምንጪ ወይ መሰጋገርቲ ንዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ምዃነን’ዩ ዝኣምን።
ኤውሮጳዊ ውድብ ንበርጌሳዊ ድሕነትን ስርሒታት ሰብኣዊ ረድኤትን (ECHO) ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣውጺኡዎ ኣብ ዘሎ ጸብጻብ፡ ኤትዮጵያ፡ ኬንያን ኡጋንዳን ምስተን ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ ቊጽሪ ስደተኛታት ኣዕቚበን ዘለዋ ቀዳሞት 10 ሃገራት ከምዝስረዓ ይጠቅስ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኡጋንዳ 1.3 ሚልዮን ኢትዮጵያ ድማ ልዕሊ 880,000 ስደተኛታት ኣዕቚበን ይርከባ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ