ኢጣልያ ኣብ ኣተሓሕዛ ምድሓን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ተትርር

ኢጣልያ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ክቕበላ መብጽዓ ኽኣትዋ ትደሊ ኣላ። ሳልቪኒ ዝመርሖ ሓድሽ የማናዊ መንግስቲ እታ ሃገር ድሮ ወደባት እታ ሃገር ስደተኛታት ንዘድሕና መራኽብ ዓጽዩ ኣሎ።

ብዝሒ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝብገሱ ስደተኛታት ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታ ቀኒሱ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ሓድሽ ኣብ ኢጣልያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ብ1 ሰነ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነጀው ኣንጻር ዋሕዚ ስደት ሓድሽ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ኣሎ።

ብ7 ሓምለ፡ ኣየርላንዳዊት ናይ ሓለዋ መርከብ ሳምዌል ቤኬት፡ ኣብ ጥቓ ሊብያ ዝደሓኑ 106 ስደተኛታት ጽዒና ሲቺልያ ምስበጽሐት፡ ሳልቪኒ፡ ሃገሩ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምቕባል ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ኣብ ኢጣልያ ዝራገፉ ስደተኛታት ዝያዳ ተሳታፍነት ከርእያ ኽትጠልብ ምዃና ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ሓቢሩ።

ሳልቪኒ ኣብ ጽሑፉ፡ “ሕማቕ ዕድል ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበሩ ናይ ኢጣልያ መንግስትታት ስምምዓት ፈሪሞም (ኣምሳይኡ እንታይ ንረክብ?) ስለዚ ድማ ኩለን እዘን መራኽብ ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ የራግፋ ኣለዋ፡” ኢሉ።

“ምስ ምምጻእ እዚ ናይ ሕጂ መንግስትና እቲ ዜማ ተቐይሩ እዩክቕየር ከኣ እዩ፡” ይብል ብመሰረት እቲ ዶቸ ቬለ ዘቕረቦ ጸብጻብ።

ብሰነ፡ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኢጣልያ ዳኒሎ ቶኒኔሊ ነቲ ጸረ ምስግጋር ሰባት ስርሒታት ዘካይድ ወኪል ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ፡ ፍሮንቴክስ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሑ ኸቋርጽ ሕቶ ኣቕሪቡሉ ኔሩ።

ቶኒኔሊ፡ ሃገሩ ንስምምዓት ናይቲ ምስላዅ ሰባት ንምቅላስን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ሰባት ንምቕናስን ዝቘመ ስርሒት ሶፍያ ክትምርምሮ ምዃና ገሊጹ ኔሩ።

ቶኒኔሊ፡ “ነቲ ሕግታት ነኽብሮ ኢና፡ ሕጂ ግን ክቕየር እዩ … ስደት ጉዳይ ኢጣልያ ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ወይ ድማ ኩሉ ሕብረት ኢወሮጳ ኣብ ሓደጋ ኽህሉ እዩ፡” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ሓምለ ዘይሕጋዊ ስደት ንምዝታይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፡ ኦስትርያን ጀርመንን ኣብ ምሕላው ደጋዊ ዶባት ኤውሮጳ ዝተሓሕዛአን ከትርራን ካብታ ኣህጉር ወጻኢ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ዘኽእል ማእከላት ክኽፍታን ቃል ኣትየን።

ጀርመንን ኦስትርያን ዝቐረበ ፈለማ ኣብ ኢጣልያ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት እታ ሃገር ክትቅበሎም ዝሓትት ጠለብ ኣመልኪቱ ሳልቪኒ ሃገሩ ምትራር ደጋዊ ዶባት ኤውሮጳ ከይተረጋገጸ ሓደ ስደተኛ እውን ከምዘይትቕበል ኣፍሊጡ።

“ናብ ኤውሮጳ ዝህሉ ዋሕዚ ስደተኛታት እንተቐኒሱ ኣብ ውሽጣዊ ዶባት ጸገም ዝበሃል ኣይክእህሉን ስለዝዀነ ኣብ መንጎ ህዝብታትና ከምቲ ንምድቦ ብሰላም ክንዓዪ ንኽእል ኢና፡” ይብል ሳልቪኒ ብመአረት ፋይናንሻ ታይምስ።

ድሕሪ እቱ ኣኼባ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኮሚሽነር ስደት ሕብረት ኤውሮጳ ድሚትሪስ ኣቭራሞፖውሎስ ሕብረት ኤውሮጳ “ኣብ 2020 ናይ 10,000 ሰራዊት ሓለውቲ ዶባት ክህልውዎ፡” ምዃኖም ገሊጹ።

ወሲኹ፡ “መሰል ምምላስ ናይቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኽጸንሑ መሰል ዘይብሎም ክቃላጠፍ ኣለዎ። ኣብቲ ኣርእስቲ ዘለና መርሓ ዝምልከት ጥምረትን ኣሳልጦን ዘዕቢ ንምምላስስደተኛታት ዝምልከት ሕግታትና ዝመሓየሸሉ ገለ ኣገዳሲ ነጥብታት ከቕርብ ሓሳብ ኣለኒ፡” ይብል ኣቭራሞፖውሎስ።

“ንሓለዋ ዶባትን ባሕርን ኤውሮጳ ዝያዳ ስልጣን ብምሃብ ስደተኛታት ክምለስ ክኽእል እማመ ከቕርብ እውን ሓሳብ ኣለኒ፡” ክብል ድማ ወሲኹ።

TMP – 22/08/2018