ሕሉፍ የማናዊ መንግስቲ ኢጣልያ ህይወት ዘድሕና ጃላቡ ምዕራፍ ይኽልክል
”ኢጣልያውያን ፈለማ” ዝብል ሰሌዳ ማቴዮ ሳልቪኒ ኣብ ሚላኖ፡ ኢጣልያ ብ24 ለካቲት 2018 ኣብ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ኣኼባ
ሕሊፍ የማናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ወደባት ሃገሩ ከየዕርፋ ብምኽልካል፡ እዚ ድማ ዓወት ሃገሩ ምዃኑ ኣዊጁ። “ኣብ ባሕሪ ህይወት ምድሓን ግዴታ እዩ፡ ንኢጣልያ ናብ ዓቢ መዓስከር ስደተኛታት ምቕያራ ግና ግዴታ ኣይኰነን፡” ይብል ሳልቪኒ።
ካብቲ ኢጣልያን ማልጣን ፍቓድ ምዕራፍ ዝኸልከላሉ 10 ሰነ ኣትሒዞም 123 ዘሰኒ ዘይብሎም ቈልዑን ሾብዓተ ነብሰጾራትን ዝርከብዎም 629 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ መርከብ ኣኳርዩስ ቀንዮም።
መራሒ ናይቲ ጸረ ስደተኛታት ዝዀነ ሰልፊ ሌጋ ዝዀነ ሳልቪኒ እታ ጃልባ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይትዓርፍ ብምኽልካል ናብ ማልጣ ኽትከይድ ኣለዋ ኢሉ። ማልጣ ብወገና ነታ ጃልባ ፍቓድ ከልኪላ፡ እቲ ስርሒት ምድሓን ህይወት ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ስለዝተኻየደ ነቶም ስደተኛታት ሓላፍነት እትስከመሎም ኢጣልያ ምዃና ገሊጻ።
ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሕብረት ኤውሮጳን ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ንኢጣልያን ማልጣን ሰብኣዊ ሓላፍነተን ክስከማ ኽውዑ ኸለዉ፡ ስጳኛ ነቶም ስደተኛታት ክትቅበሎም ምዃና ሃንደበት ኣፍሊጣ ነታ መርከብ ኣብ ምብራቓዊት ወደባ ቫለንስያ ኸተዕርፍ ኣፍቂዳትላ። ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፐድሮ ሳንቼዝ “ሰብኣዊ ዕንወት ከነወግድን ነዞም ሰባት ዕቑል መዕረፊ ዝኸውን ወደብ ከነፍቅደሎምን ግዴታና እዩ፡” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።
ኣኳርዩስ ብብዝሒ ተሳፈርቲ ኣዕለቕሊቓ ስለዝነበረት እቲ ናብ ስጳኛ ዝነበረ ናይ 4 መዓልቲ ጉዕዞ ሓደገኛ እዩ ኔሩ። ነቲ ጽዕነት ንምፍዃስን ንኣኳርዩስ ከሰንያን ኢጣልያ ክልተ ጃላቡ ልኢኻ።
ሓካይም ብዘይዶብ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ናይ መግብን ማይን ቀረ ክውዳእ ምዃኑ፡ ከምኡ ድማ ገለ ኻብቶም ስደተኛታት ኣብ ሳናቡኦም ማይ ኣትዮም ካልኦት ድማ ቤንዚንን ማይ ባሕርን ምስተሓወሰ ዝሰዓበ ቀመማዊ ውጽኢት ቈርበቶም ስለዘቃጸሎም ይሳቐዩ ኸምዝነበሩ ኣፍሊጡ።
“ኢጣልያ ምስጋድን ምምእዛዝን ገዲፋቶ እያ። ሎሚ ኣይከውንን ዝብል ወገን ኣሎ፡” ኢሉ ሳልቪኒ። ሓደ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ስደተኛታት ዝደሓኑሉ፡ ካብ ትሕተ ሳሃራ ንዝበገሱ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምምልካት፡ እታ ሃገር “ካብ ደቡብ ዝመጸ መጥቃዕቲ ወሪድዋ” ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንኢጣልያ ንምድሓን ምትእትታው ክገብር ከምዝግባእ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ልዕሊ 600,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብባሕሪ ኣትዮም መሬት ኢጣልያ ኽረግጹ ኸለዉ፡ ክሳዕ 500,000 ዝዀኑ ኻብእቶም ገና ኣብታ ሃገር ከምዘለዉ ይግመት።
ኣብ መጋቢት ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ማእከላይ ነጥቢ ናይቲ ኣድመጽቲ ናይ ምእካብ ዘመተ እዩ ኔሩ።
TMP – 04/08/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ