ኢጣልያ ንሓደ ኣስጋሪ ንሕልፈት ፈሪዳ

ስእሊ፥ ሮይተርስ – ቃፍላይ መካይን ኣብ መንጎ ሱዳንን ሊብያን ኣብ ዝርከብ ክፋል ምድረበዳ ሳሃራ ስደተኛታት የግዕዛ

ሓደ ሶማላዊ ኣስጋሪ ስደተኛታት ዓሰርተታት ስደተኛታት ብምዕማጽ፡ ብምስቓይን ብምቕታልን ኣብ ኢጣልያ ንሕልፈት ተፈሪዱ። እቲ በደላት በኒ ወሊድ ኣብ ዝተባህለ ካብ ትሪፖሊ 160 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ ቦታ ኣብ መዳጐኒ ስደተኛታት ዝተፈጸመ እዩ።

እቲ ወዲ 22 ዓመት ካብ ሞቓድሹ ዝተሰደደ ዑስማን ማታሙድ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ኢጣልያ ምስኣተወ ስደተኛ ተመሲሉ እዩ ዑቕባ ኽሓትት ፈቲኑ። ቅድሚ ዓመት ኣብ ሚላኖ ካልኦት ሶማላውያን ስደተኛታት ምስረኣኣይዎ እዩ ተታሒዙ። ቅድሚ ፖሊስ መጺኦም ክኣስርዎ ምኽኣሎም እቶም ሶማላውያን ክቐትልዎ ቐሪቦም ኔሮም።

ብመሰረት ጋዜጣ ቴለግራፍ፡ ሓንቲ ኣብ ዓሰርተታት ዕድመኣ እትርከብ ጓል ንኣኽበርቲ ሕጊ፡ “ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣብቲ መኽዘን ከለና መጺኡኒ፡ ጐቲቱ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ሰብ ንኽዳውንተይ ቀዲድዎ፡” ኢላቶም።

ብዙሓት ካልኦት ከምዝዓመጸን ብዙሓት ድማ ብከመይ ከምዘሳቐዮም ቃሎም ሂቦም። ሓደ ኻብቲ ማታሙድ ክንድኡ ንስደተኛታት ዘሳቕየሉ ዝነበረ መኽንያት ንስድራቤት እቶም ስደተኛታት ንመስገሪ ባሕሪ ዝኸውን ዝያዳ ገንዘብ ክኸፍሉ ንምግዳድ እዩ ኔሩ።

ኣብቲ ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ቤትፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዝሓዙ ዳያኑ፡ ስደተኛታት ብኸመይ ብኣእማን ከምዝተቐጥቀጡ፡ ብነዝሪ ኤለክትሪክ ከምዝተንቀጥቀጡ፡ ክሳዕ ዝመኸኸ ከረጺት ፕላስቲክ ኣብ ቈርበቶም ኣናኣፍሰሰ ዝፈጸሞ ስቓያት ሰሚዖም።

እቲ ቤትፍርዲ ብኽስታት ቅትለት ሰብ፡ ምጭዋይ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ከይተረፈ ዝፈጸሞ ጾታዊ በደል ብዝርከቦ ገበነኛ ዀይኑ ረኺብዎ። እተን ፈለማ ሰለስተ ዓመት ናይ ሕልፈት ማእሰርቱ ኣብ ንበይኑ ተዓጽዩ ኽሕየር ተበይንሉ።