ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ የመን ግፍዒ ይወርዶም
ኣብ መዳጐኒ ማእከላት የመን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣካላውን ጾታውን ግፍዒ ኸምዝወርድ ህዩማን ራይትስ ዎችን ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከምዘፍለጡ ሮይተርስ ብ18 ሚያዝያ ሓቢሩ።
“ኣብቲ ኣብ ዓደን ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ዝርከቡ ዘብዐኛታት ብጭካነ ሰብኡት ቀጥቂጦም፡ ንደቅንስትዮን ኣወዳትን ዓሚጾም፡ ንኣማኢት ስደተኛታት ድማ ልዕሊ ዓቕመን ኣብ ዝተጻዕና ጃላቡ ናብ ባሕሪ ሰዲዶሞም፡” ይብል ቢል ፍረሊክ፡ ኣካያዲ ጉዳያት መሰላት ስደተኛታት ኣብ ህዩማን ራይትስ ዎች።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ የመን ነቲ ብህዩማን ራይትስ ዎች ዝመጸ ስምዕታ ነቲ ኣብቲ ማእከል ዝነበረ ኣዛዚ ብምስጓጕ ከምዝመለሰሉን ስደተኛታት ናብ ካልእ ማእከል ከሰጋግር ከምዝጀመረን ይገልጽ።
ህዩማን ራይትስ ዎች እቲ ኣብ ቡረይካ ናይ ዓደን ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ካብ ፈለማ 2017 ኣትሒዙ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን፡ ሶማላውያንን ኤርትራውያንን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከምዝሓዘ፡ ካብ መጋቢት ናይዚ ዓመት እዚ ግና 90፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝዀኑ ስደተኛታት ተሪፎም ከምዘለዉ ይገልጽ።
ኣብቲ ቦታ ተእሲሮም ዝነበሩ፡ እቲ ማእከል ልዕሊ ዓቕሙ ሰባት ዝሓዘ፡ ኣዝዩ ረሳሕን ኣገልግሎት ጥዕና ዳርጋ ዘይርከበሉን መዳጐኒ ምዃኑ ይገልጹ። መግቢ ዝርከበሉን ዝስኣነሉን መዓልቲ ዘይፍለጠሉ ኽነሱ፡ እቶም ዘብዐኛታት ኣብ ገለ እዋናት መግቢ ይኸልእዎም ምንባሮም ይገልጹ።
እቶም እሱራት፡ እቶም ዘብዐኛታት ነተን ኣንስትን ኣዋልድን እሱራት ከምኡ ድማ ነቶም ኣወዳት ብተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ የውርዱሎም ከምዝነበሩ ይገልጹ። ሓንቲ ኣብቲ ማእከል ተዳጒና ዝነበረት ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ሓደ ዘብዐኛ ንጾታዊ ርክብ ሓቲቱዋ ስለዝነጸገቶ ካብ ዝቕጥቅጣ ንደሓር ብቓንዛ ትሽገር ምዃና ትገልጽ። ኣንስትን ኣዋልድን ብተደጋጋሚ ኸምዝዕመጻን ክልተ ኻብ መሓዙታ በቶም ዘብዐኛታት ክዕመጻ ኸምዝርኣየተንን ትገልጽ።
ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ዛንታታት እቶም ስደተኛታት፡ ናብ እሱራት ምትኳስ፡ ተደጋጋሚ ምቕጥቃጥ፡ እኹላትን ህጻናትን ምዕማጽ፡ ግዱድ ዕርቃን ዝርከቦ ብዘሕፍር ኣገባብ ክብሪ ምቕንጣጥ፡ ከምኡ ድማ ጥርኑፍ ምርሻን ክዕዘቡ ምግዳድን መግቢ ምኽላእን ዝርከቦ ዓመጻት ይወርዶም።
እቲ ወኪል ስደተኛታት፡ ነቲ መዳጐኒ ማእከላት ዝቈጻጸሩ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ተዋሳእቲ፡ ሓደስቲ ስደተኛታት ብሰብኣውነት ከምዝተሓዙ ኸረጋግጹ ጸዊዑ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ነቶም ንሰሜናዊ የመን ዝቈጻጸሩ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሕደይዳ ብዘይፍርዲ ስደተኛታት ብምእሳርን ንዑቕባን ድሕነትን ዘድልዮም ኣገባብ ብምኽልካሎምን ይኸሶም።
ብዙሓት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት ኣብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ስራሕ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ቐይሕ ባሕርን የመንን ይሓልፍዎ።
ስእሊ፦ © 2018 VICE News Tonight on HBO። መዳጐኒ ስደተኛታት ቡረይካ ኣብ ዞባ ዓደን፡ የመን።
TMP – 17/05/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ