ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ይውስኽ

ስእሊ፥ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት/IOM

ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ዛጊት ልዕሊ 20,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተው፡ ምምሕዳር ስደተኛታትን ጉዳይ ተመላሶን እታ ሃገር ማለት ARRA ኣብ ዝዘርግሖ ኣሃዝ ተረጋጊጹ። እዚ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ናይ 2017 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣሃዝ ምስቲ ኣብ ምሉእ ዓመተ 2016 ናብታ ሃገር ዝኣተወ ብዝሒ ኤርትራውያን ተመዓራርዩ ምህላው እዩ እቲ ብ ERRA ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻብ ዘረድእ።

ስለዝኾነ ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ማለት IOM ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብተን ፈለማ ዝኣትውለን መቐበሊ ማእከላት ኢትዮጵያ ናብ መዓስከራት ኣብ ምስግጋር ይተሓጋገዝ ኣሎ። እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ኣብ’ዚ ዓመት ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 15,000 ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ 4 መዓስከራት ስደተኛታት ከምዘግዓዘ ይሕበር።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ምስ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምምሕዳር ስደተኛታትን ጉዳይ ተመላሶን ብምትሕብባር ፡ ስደተኛታት ናብ መዓከራት ቅድሚ ምምራሖም ንዝማላእ ምምሕዳራውን ጥዕናውን ቅጥዕታት ኣብ ምጽፋፍን ድሕሪኡ ድማ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምቕራብን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

“ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብዚ እዋን’ዚ ዕለታዊ ከባቢ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መዓስከራት የግዕዝ ኣሎ፡ እቲ ኣሃዝ ክሳብ ክንደይ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤትዮጵያ ቀጻልነት ወኒኑ ከምዘሎ ዘርኢ ድማ’ዩ፡” ይብል ሓላፊ ንኡስ ጨንፈር’ቲ ውድብ ኣብ ከተማ ሽረ ኣቶ ኻታብ ኻልድ።

ንሱ ወሲኹ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ’ዚ ዓመት ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ናብ መዓስከራት ግዒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ፡ ካብ 18 ክሳዕ 24 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ምዃኖም ይሕብር።

እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ 851,721 ምዝጉባት ስደተኛታት ከምዘለውን፡ ከባቢ 165,000 ካብኣቶም ድማ ኤርትራውያን ምዃኖምን እዩ ዝሕብር።