ናብ ኤውሮጳ ዝጕዓዙ ስደተኛታት ዝሓየለ ሓደጋታት ይገጥሞም
ስእሊ፦ ዩኒሴፍ/ገዮርጊየቭ። ንግሪኽን ነታ ክፋል ዩጎዝላቭያ ዝነበረት ረፑብሊክ መቀዶንያን ኣብ ዘራኽብ መገዲ ባቡር ሓንቲ ስደተኛ ኣደ ደቃ ሒዛ ብሓዲድ ትጕዓዝ።
ካብ ጥሪ 2017 ክሳብ መጋቢት 2018 ንዝነበረ ግዜ ዝሽፍን ሓድሽ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ኤውሮጳ ንዝጕዓዙ ስደተኛታት ዝገጥሞም ሓደጋታት ኣዝዩ ኸምዝገደደ ኣርእዩ።
ብመሰረት እቲ ‘Desperate Journeys’ (ዓቕለጽበታዊ ጉዕዞታት) ዝተሰምየ ጸባጻብ፡ ቍጽሪ ናይቶም ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ ግዜ ተረኣእዩ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ 2018 ብ74% ጐዲሉ። እንተዀነ ግና ምስቲ ብዝሒ ተወዳዲሩ ክዕቀን ከሎ መጠን እቶም ዝሞቱ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ።
ኣብ መንጎ ጥሪን መጋቢትን 2018 ንነፍሲወከፍ ባሕሪ ኽሰግሩ ዝኸኣሉ 14 ስደተኛታት ሓደ ኻልእ ኣብ ባሕሪ ኽጠፍእ ከሎ፡ ኣብ 2017 ሓደ ንነፍሲ ወከፍ 29 ስደተኛታት ይመውት ኔሩ። መጠን ሞት ኣብ መስመር ኣልጄርያን ሞሮኮን ናብ ስጳኛ ብተመሳሳሊ ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ ግዜ ኽወዳደር ከሎ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ።
“ናብ ኤውሮጳን ኣብ ኤውሮጳን ዝግበር ጕዕዞታት ስደተኛታት ብብርቱዕ ሓደጋታት ዝተኸበበ እዩ፡” ይብል ኣካያዲ ቤትጽሕፈት ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኤውሮጳ ዝዀነ ፓስካል ሞሮ ኣብቲ ብ11 ሚያዝያ ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበሉ ኣጋጣሚ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ሊብያን ኣብ መስመር ስደት ማእከላይ ባሕርን ዘሎ ሓደገኛ ኹነታት ይጋደድ እዩ ዘሎ። ዝበዝሑ ኻብቶም ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣዝዮም ተዳኺሞም፡ ብዕብራን ሰኒፎምን ጥዕና ውሒድዎምን እዮም ዝበጽሑ ዘለዉ። ሓያሎ ኻብኣቶም ቅድሚ ናብ ጃላቡ ምብጽሖም ተሸይጦም፡ ተቐጥቂጦምን ጾታዊ ዓመጽ ዝወረዶምን እዮም።
ንማእከላይ ባሕሪ ኽሰግርዎ ዝፍትኑ ስደተኛታት ተሳፈርቲ ልዕሊ ዓቕመን ኣብ ዝተጫቓጨቕወን፡ ካብ መጠነን ብዕጽፍታት ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ዝጽዓና ዘይጽኑዓት ጃላቡ እዮም ናብ ባሕሪ ዝስደዱ።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ናብ ኢጣልያ ባሕሪ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት በቲ ኻብ ሓምለ 2017 ንደሓር ስርሒታቱ ዘዕበየ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተዓጊቶም ክምለሱ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ኸምዝወሰኸ የብርህ። ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝተታሓዙ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ምስተወስዱ፡ ክሳዕ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝኽእሉ፡ ንዝተናውሐ እዋናት ኣብ ብዘይሰብኣዊ ኣገባብ ይዳጐኑ።
ስደተኛታት ኣብቲ ዝተፈላለየ ናብ ኤውሮጳ ዝወስድ መስመራት ኣብ ኢድ ተሻየጥቲ፡ ኣሰጋገርትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ወዲቖም ይዕመጹን ገንዘቦም ይምንዝዑን። ገለ ጸብጻባት፡ እቶም ኣሻየጥቲ ሰባት ነቲ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝግበር ጉዕዞ ካብ ነፍሲወከፍ ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ዝኣክል ገንዘብ ከምዝሓቱሉ የረድኡ።
ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ፡ ተወሳኺ ማዕቀባትን ንድሕሪት ዝደፍኡ ኣገባባትን፡ ስደተኛታት ናብ ዕላማኦም ንምብጻሕ ሓደገኛ ኣማራጺ መገድታት ከናድዩ ይግድድዎም ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብቲ መስመር ስደትን ኣብ ገለ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ዝርከብ ቦታታትን፡ ደቀንስትዮን ኣዋልድን፡ እንተላይ ሰብኡትን ኣወዳትን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም በይኖም ዝጕዓዙን መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናትን፡ ጾታውን ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ዓመጽን ክወርዶም ቅሉዓት ምዃኖም የርኢ።
ህጻናት ኣብ ኤውሮጳ ምስበጽሑ፡ ዝተናውሐ ዑቕባ ንምሕታት ዘድሊ ትጽቢት፡ ኣዝዩ ዝሕቱልን ደንጓዪን መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ከምኡ ድማ ዝተወሰነ ተኽእሎ ኣገባባት ምልዋጥ ቦታ ነቲ ብድሆታት የጋድዶ።
ካብ ምእታው 2018 ክሳብ ሕጂ፡ እንተወሓዱ 501 ሰባት ሞይቶም ወይ ሃለዋት ኣጥፊኦም ኣለዉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ