ኣሽሓት ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብ ሳብራታ ዝቐነየ ኲናት ይጽለዉ

ስእሊ፡ ሮይተርስ/ ሃኒ ኣማራ – ብ9 ጥቅምቲ 2017፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳብራታ፡ ሊብያ ኣብ መዳጐኒ ስደተኛታት መግቢ ክቕበሉ ይጽበዩ

ሰልሰተ ሰሙን ዝወሰደ ነታ ካብ ትሪፖሊ 78 ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቓ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሳብራታ ንምቍጽጻር ዝዓለመ ዕጥቃዊ ጐነጽ ዓሰርተታት ቀቲሉን ኣማኢት ኣቝሲሉን፡ ተቐማጦ’ታ ኸተማ ተዛናቢሎም፡ ብሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ኣሰጋገርቲ ተዳጒኖም ዝነበሩ ኣሽሓት ስደተኛታት ድማ ኣብ ሓዲግ ተደርብዮም ተሪፎም ኣለዉ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ9 ጥቅምቲ ናብቶም ኣብታ ኸተማ ዝተደርበዩ ስደተኛታት ረድኤት ከምዘብጽሐ ገሊጹ። ወኪል እቲ ውድብ ኣብ ሊብያ ሮቤርቶ ሚኞነ፡ “እቲ ዀነታት ተነቃፊ እዩ ዘሎ፡ ንሕና ድማ ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና። ኣብ ባይታ ምስዘለዉ መሻርኽቲ ኴንና ነቶም ዘድልዮም ሓገዝ ክንቅርበሎም ንዓዪ ኣለና፡” ኢሉ።

ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ምስ ሰብ መዚ ናይቲ ብውድብ ሕብራት ሃገራት ዝድገፍ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ መንግስቲ ሊብያ ስደተኛታት ከይብገሱ ንምዕጋት ስምምዕ ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ሓምለ ካብታ ኣብ ገማግም ሊብያ እትርከብ መናገሻ ኣስገርቲ ስደተኛታት ዝዀነት ሳብራታ ዝብገስ ጉዕዞታት ምስጋር ኣዝዩ ጐዲሉ እዩ።

እቲ ስምምዕ ጸኒሑ ብ17 መስከረም ዝጀመረ ዂናት ክውላዕ ጠንቂ ክኸውን ከሎ፡ ብ6 ጥቅምቲ ብዓወት እቲ ኣንጻር ዳዒሽ ዝዀነ ክፍሊ ስርሒታት ዝብሃል ጉጅለ ተዛዚሙ።

ብመሰረት ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር፡ ኲናት ምስኣቋረጸ፡ ዞባዊ ሰብመዚ እንተወሓደ 6,000 ስደተኛታት ዝነበርዎ ሓያሎ ዘይወግዓውያን መዳጐኒታት ተቘጻጺሮም። ብመሰረት ሓበሬታ ኣይ ኦ ኤም ኣብ መንጎኦም ነብሰጾራት፡ ሓደስቲ ዕሸላትን ዘሰኒ ዘይብሎም ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት 4,000 ስደተኛታት ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ሓደ መኽዘን ተሰጋጊሮም ኣለዉ።

“ብብዝሒ እዞም ኣብዚ ዝቐነየ ኹነታት ኣብ ሳብራታ ዝተቐርቀሩ ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሻቕሎት ኢና እንርከብ፡” ይብል ሓላፊ ኣይ ኦ ኤም ኣብ ሊብያ ዝዀነ ዑሥማን ቤልበሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። “ኣብ ክንዲ ምድጓን ካልእ ኣማራጺታት ክንረክብ ኣለና።”