ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎታት ክብሪ መዝገብ ንስደተኛታት ጀሚሩ

ስእሊ፥ ዩኤንኤችሲኣር/ዲያና ዲያዝ። ውሉድ ደቡብ ሱዳናዊት ስደተኛ ኣርያት ኦቾካ ኦዱላ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ኢትዮጵያ ምስክርነት ልደት ዝረኸቡ ስደተኛታት

ንዕለተ ልደት፣ መርዓ፡ ፍትሕ፡ ሞትን ካልእን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ናይ ምስናድን፡ ወግዓዊ ወረቐት ምስክርነት እቶም ጉዳያት ናይ ምቕራብን ኣገልግሎታት ክብሪ መዝገብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ካብ 27 ጥቅምቲ ክፉት ኮይኑ።

እዚ ሓድሽን  ኣተስፋውን ምዕባለ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኢትዮጵያ ድሕነትን ቊጠባዊ ተረባሕነትን ስደተኛታት ንምውሓስ እትኽተሎ ዘላ ኣጠቓላሊ መርሓ ኮይኑ፡ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታቶም ካብ ምምዝጋብን ወግዓዊ ወረቐት ምስክርነት እቶም ኣጋጣሚታት ካብ ምውናንን ተኸልኪሎም ዝጸንሑ ስደተኛታት ፡ ንውሓት ግዜን ምምሕዳራዊ ሕልኽላኻትን ብዘይበዝሖ መስርሕ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ክገብር እዩ።

እቲ ፈሊሙ ዘሎ ኣገልግሎት፡ ቬራ (VERA) ዝተባህለ ንኡስ ኣካል ክፍሊ መዝገብ ማሕበራዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዩኒሴፍን ብምትሕብባር’ዩ ንተግባራውነት ኣብቂዕዎ ዘሎ።

እቲ ንኡስ ኣካል ኣብ ትሕቲ ክፍሊ መዝገብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኢትዮጵያ ተሰሪዑ ክሰርሕ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ 2012 እኳ እንተኣወጀ ፡ እቲ ኣካል ክህቦ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ክሰፍሕን፡ ኣገልግሎታት እቲ ኣካል ንወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ክፉት ክኸውንን ዘኽእል ኣዋጅ ግና ኣብ ምጅማር ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት እዩ ተሓዲሱ።

ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዶም ዛጊት  ምስክርነት ልደት ዘይረኸቡ ልዕሊ 70,000 ህጻናትን መርዓን ሞትን ዝገጠሞም ኣሽሓት ካልኦትን  ስደተኛታት ብቐጥታ ጉዳይም ወግዓዊ ሰነድ ክወሓሰሉ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስደተኛታት ዕድላትን ፍቓድን ስራሕ ክወሓሰሎም፡ ዕድላት ትምህርቲ ክግለሃሎም፡ ካብ መዓስከራት ናብ ከተማታት ክኣትውን ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰባት እታ ሃገር ክላፈኑን ዘኽእሉ መደባት እውን ኣብ ዝመጽኡ ቀረባ ዓመታት ተግባራውያን ክኾኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጽዕት ምህላዉ እዩ ዝሕበር።

ኢትዮጵያ ሒዛቶ ብዘላ ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ሃገራት ተሰሪዓ ትርከብ። ኣብታ ሃገር ኣስታት 170 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 880 ሽሕ ስደተኛታት ኣለው።