ቁጽሪ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝሞቱ ስደተኛታት ይውስኽ
ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኤውሮጳ ኽኣትዉ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ኣብ ጉዕዞ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ዳርጋ ብዕጽፊ ኸምዝዓበየ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ።
ቁጽሪ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ቐኒሱ እኳ እንተዀነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ጉዕዞ ዝሞቱ ስደተኛታት ግና ይውስኽ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻባት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ 2,512 ስደተኛታት ኣብ 2016 ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ኽብሉ ኽሞቱ ኸለዉ፡ ኣብ 2017 እቲ ቑጽሪ ድሮ 1,650 በጺሑ ኣሎ።
ማሕበራት ግብረሰናይ እቲ ዝውስኽ ቁጽሪ ምዉታት ብሰንኪ እተን እናወሰኻ ዝኸዳ ዘለዋ ኣስገርቲ ካብ ሊብያ ስደተኛታት ዝሰዱለን ዘይውሑሳት ጃላቡ ከምዝዀነ ይገልጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ኣብ ልዑል ቁጽሪ ሰባት ዝጸዓና ጃላቡ ዘጋጠመ ሓደጋታት ህይወት 50 ስደተኛታት ከምዝቐዘፈ ጸብጻባት የረድኡ።
ቀንዲ ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሌናርድ ዶይል፥ “ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ኣዝዩ ይዓቢ ኣሎ። ስራሕ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ጃላቡ እንተተጻዒናኦም ስራሕ ክረኽቡ ምዃኖም እዩ ዝንገሮም። እዚኣቶም ኣዝዮም ዝተወጽዑ ንምዝመዛ ኣብ ዝቕስብ ኩነታት ዝወድቁ ሰባት እዮም፡” ይብል።
ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ሓደጋታት ተኣሳሲሩ ዝወጸ መግለጺ ላዕለዋይ ተወካሊ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ዋሕዚ ዝተፈላለዩ ስደተኛታት ካብ ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪቃ ናብ ሱዳን፡ ኒጀርን ሊብያን ብዘይኣላዪ ይቕጽል ኣሎ፡ ጨካናት ጉጅለታት ኣስገርቲ ድማ ይዓብዩ ኣለዉ፡” ይብል።
ወሲኹ “ኣብ ሊብያ ዘሎ ዘይውሑስ ኩነታትን ንምዝመዛን ዓመጽን ዘቃልዕ ተነቃፊ ኹነታት ናይ ኣብ ጉዕዞ ዝርከቡ ሰባትን ብምራኣይ፡ ኣብተን ናብ ሊብያ ቕድሚ ምብጽሖም ዝሓልፉለን ሃገራት ዝተፈላለየ መፍትሒታት ንምፍጣር ብቕልጡፍ ዝተሓደሰ ጻዕርታት ከነካይድ ይግብኣና፡” ይብል እቲ መግለጺ።
ብዙሓት ስደተኛታት ገማግም ሊብያ ኸይበጽሑ ስለዝሞቱ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ኤውሮጳ ኽበጽሑ ኽብሉ ዝሞቱ ስደተኛታት ካብዚ ዝተገልጸ ቑጽሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ