ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሓደጋታት ዘይሕጋዊ ስደት ዘመተ ተኻይዱ

ኣብ ኮም ዝተመርኰሰ ብዛዕባ ሓደጋታት ዘይሕጋዊ ስደት ንቕሓት ንምፍጣር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዘመተ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ በጺሑ።

እቲ ናይ ማሕበራዊ ዘተ መደብ ኣብ 2014 ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ከምኡውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተበገሰ ዀይኑ፡ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ስደት ብብዝሒ ዝርኣየሉ ቦታታት ኣድሂቡ ብዛዕባ ብድሆታትን ሓደጋታትን ዘይሕጋዊ ስደት ኣፍልጦ ንምፍጣር ዝተሰርዐ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣይ.ኦ.ኤም፡ ኣባላት እቲ ዘመተ ዝተኻየደሎም ማሕበረስባት ንኣሉታዊ ጽልዋታት ዘይሕጋዊ ስደት ከስተውዕሉሉ ስለዝጀመሩ፡ እቲ መደብ ኣብቲ ዝተኻየደሉ ቦታታት ቁጽሪ ትምህርቲ ዝገድፉ ኣብ ምቕናስን ኣሰጋገርቲ ዘይሕጋዊ ስደት ናብ ሕጊ ዝቐርቡሉ ብዝሒ ኣብ ምውሳኽን ኣበርኪቱ።

ኣብ ወጻኢ ስራሕ ከምዝርከብ ብዘእምን ናይ ሓሶት ተስፋታት ተታሊሎም፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንኣሰጋገርቲ እናኸፈሉ ናይ ገንዘብ፡ ኣካላዊ፡ ጾታውን ኣእምሮኣውን ዓመጽ ናብ ዘስዕበሎም ጕዕዞ ይብገሱ።

ብዝሒ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ሓፈሻዊ ሕጊ ብምጽዳቕ ትቃለሶ ኣላ። እቲ ዓሚ ዝተኣታተወ ሕጊ ኣብ መሸጣ ሰባትን ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ንዝነጥፉ ገበነኛታት ዝብየን መቕጻዕቲ ብምትራር ነቲ ጉዳይ ንምክልኻልን ዘኽእልን ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ምትሕብባር ዘፍቅድን እዩ።