ብዝሒ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ልዕሊ 1,000 ይበጽሕ
ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2017 ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኤውሮጳ ኽበጽሑ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 1000 ኣትዩ ኣሎ። እዚ ቑጽሪ ካብቲ ናይ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ወቕቲ ዘጋጥመ ብዝሒ ሞት ይልዕል።
ካብቶም ዝሞቱ ልዕሊ 150 ህጻናት እዮም። ብመሰረት ዩኒሴፍ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ቈልዑ መሰነይታ ዘይብሎም ብምዃኖምን ሞቶም ዝሕብረሎም ስለዘይብሎምን ሓቀኛ ቑጽሪ ናይ ዝሞቱ ህጻናት ካብዚ ዝለዓለ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
“በዚ ሓደግኛ መገዲ ኣቢሎም ኣሽሓት ህጻናት ዝርከብዎም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ምት ኣእትዮም ኤውሮጳ ኽበጽሑ ይፍትኑ ምህላዎም ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ፡” ይብል ኣፍሻን ኻን ዝተባህለ ዞባዊ ኣካያዲ ስራሕ ዩኒሴፍ።
ኣብ ፈለማ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ብዝተነፍሀ ፕላስቲክ ዝተሰርሐት ጃልባ ምስጠሓለት፡ 15 ኣንስትን ህጻናትን ዝርከብዎም እንተወሓዱ 97 ዝበጽሑ ስደተኛታት ከምዝሞቱ ተሓሲቡ።
ብመሰረት ጸብጻባት ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዘሎ ጉዕዞ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣብ ዓለም ዝርከብ መስመር ስደት ዝለዓለ ሓደጋ ዝርኣየሉ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ