ናይ ኢጣልያ ሰሜናዊ ማሕበር ስደተኛታት ክጥርዝ ምዃኑ ይፍክር

ማቴዮ ሳልቪኒ፡ መራሕ ሌጋ ኖርድ

ኣብቲ ናብ ናይ 4 መጋቢት ምርጫ ንምብጻሕ ዝቐነየ ጉዕዞ፡ መራሒ ሕሉፋት የማናውያን ሰልፊ ማሕበር ሰሜን (ሌጋ ኖርድ) ማቴዮ ሳልቪኒ እንተተዓዊቶም ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ክሰጕጕ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ሰልፊ እንተተመሪጹ 400 ሽሕ ዝዀኑ ስደተኛታት ናብ መበቆል ሃገራቶም ክጥርዝ ይማባጻዕ ኣሎ።
“እቲ እንኮ ዓሌትነት ክፍውስ ዝኽእል መድሃኒት ምቍጽጻር፡ ምስራዕን ምቕናስን ስደት እዩ። ሚልዮናት ኢጣልያውያን ኣብ ቁጠባዊ ጸገም ኣለዉ። ኢጣልያውያን ዓሌታውያን ኣይኰኑ፡ እንተዀነ ግን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ስደት ዘይእወታዊ ግብረመልሲ የስዕብ እዩ። ነዚ ድማ ኽንከላኸሎ ኢና ንደሊ፡” ይብል ሳልቪኒ።

ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ማሕበር ግብረ ሰናይ ሓካይም ብዘይዶብ ብዛዕባ “ዘይሰብኣዊ” ኩነታት መነባብሮ 10,000 ዝዀኑ ኣብ መላእ ኢጣልያ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘለዉ ስክፍት ገሊጹ።

ኣብቲ ብ8 ለካቲ ዝወጸ ጸብጻቡ፡ እቲ ማሕበር መንግስቲ ኢጣልያ ነቶም መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢ ሮማ ዝርከቡ ልዕሊ 180,000 ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከአንግድ ኣዝዩ ተጸጊሙ ኸምዘሎ ሓቢሩ።

“ስደተኛታት ብሰንኪ ዘይብቑዕ ቅርጺ ኣቀባብላን ኣገባብ ምሕደራ ጉዳያት ዶብን ብሕብረተሰብ ተጓንዮም እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ኣብ ሊዕሊኡ፡ ብደረጃ ሃገር ስደተኛታት ኣብ ማሕበረሰብ ብቐሊሉ ኽጽንበሩ ዝተወጠኑ ንድፍታት ብሕማቕ ኣተሓሕዛ እዮም ዝትግበሩ ዘለዉ፡” ይብል ጁሰፐ ደ ሞላ ኻብ ሓካይም ብዘይዶብ።
ብዙሓት ስደተኛታት መንበሪ ዘይብሎም ኰይኖም ኣብ ጐደናታት ወይ ኣብ ዘይስሩዕን ዘይሕጋውን ከም ዝባደመ ፋብሪካታት፡ ናይ ቤትጽሕፈት ህንጻታት ወይ መዐሸጊ ማካይን ዝኣመሰለ ስፍራታት ይቕመጡ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ፖሊስ ልዕሊ 800 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብ ሓደ ናይ ኦፊሳት ህንጻ ዝነበረ ኣብ ማእከል ሮማ ዝርከብ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝተቐመጡሉ ቦታ ኣውጺኦም ደርብዮሞም እዮም።

“ፍታሕ ከምዝቐረቡልና ሓቢሮም ኣብ ኣውቶቡሳት ተጻዒንና ምስኣቶም ክንከይድ ሓቢሮምና፡” ይብል በረኸት ኣረፈ ዝተባህለ ካብ 2005 ኣትሒዙ ኣብ ኢጣልያ ዝተቐመጠ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ፀ ጋርድያን። “ኣብቲ መደበር ፖሊስ ምስበጻሕና ግና፡ “እቲ ህንጻ ጸርዩ እዩ፡ ስራሕና ወዲእና ኣለና፡” ኢሎም። “ናበይ እሞ ንኺድ ንሕና’ኸ፧” ኢለ ሓቲተዮም፡ ንሳቶም ድማ፡ “ናብቲ ጐደና ኽትከይድ ትኽእል ወይ ከኣ ናይ ሆቴል ክፍሊ ኽትካረ ትኽእል ኢኻ፡” ኢሎምኒ ይብል።