ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝዓግተን ጃላቡ ስደተኛታት ይበዝሓ
ስእሊ፡ ሮይተርስ/ ኣሕመድ ጃድኣላህ
ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ናብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ይውሰዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ሳምንቲ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እንተወሓዱ 450 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሒዙ ናብ ሊብያ መሊስዎም።
ብ31 ጥቅምቲ፡ 40 ኣንስትን 19 ህጻናትን ዝርከብዎም 299 ስደተኛታት፡ ሞተረ ኣብ ዘይብለን ክልተ ፕላስቲክ ጃላቡ ከንሳስፉ ኸለዉ ተረኺቦም። ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቓስም እቶም ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኸምዝተበገሱ ገሊጹ።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ናብ መዓክሰር ሓይሊ ባሕሪ ትሪፖሊ ኽግዕዙ ኸለዉ፡ ካብኡ ናብቲ ኣብ ታጁራ ዝርከብ መዕቈቢ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተወሲዶም።
ብ4 ሕዳር፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ልዕሊ ኣብ ሓንቲ ዝተጨቓጨቐት ጃልባ ተጻዒኖም ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ 150 ስደተኛታት ከምዝተታሕዙ ሮይተርስ ገሊጹ።
እቶም ስደተኛታት ናብታ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኽጸዓኑ ኸለዉ፡ ዝነበሩላ ጃልባ ጥቓ ሓንቲ ኣብ ሓለዋ ዝነበረት መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ እያ ኔራ።
“እቶም ስደተኛታት ካብ ሞት እዮም ድሒኖም፡” ይብል መራሕ እታ ናብ ትሪፖሊ ዝመለሰቶም ጃልባ።
ካብ ኢጣልያን ሕብረት ኤውሮጳን ስልጠናን ንዋታዊ ሓገዝን ዝረኸበ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ንስደተኛታት ቅድሚ ናብ ኣህጉራውያን ህይወት ዘድሕና መራኽብ ምብጽሖም እናዓገተ ኣብ ምማልስ ኣዝዩ ንጡፍ ኰይኑ እዩ ዘሎ።
እቶም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ምስተመልሱ፡ ናብቲ ገለ ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ክምለሱ ዕድል ዝረኽቡሉ መዳጐኒ ማእከላት ከይተወስዱ ኸለዉ ብኣህጉራውያን ወኪላት ይምዝገቡ።
“ብዙሕ እየ ተሳቕየ- ምጭዋይ፡ ብጸለቕ ምሓዝ፡” ይብል ስ ሮይተርስ ዝተዘራረበ ክሪስቶፈር ዳንየል ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ናይጄርያዊ። “እቶም ዘብዐኛታት ዓይነይ ዓሚቶም ገንዘብ ክህቦም ኣስገዲዶምኒ፡” ብምባል ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ደቡባዊት ከተማ ሰብሃ ዘሕለፎ እዋን እናዘከረ።
“ዝብሎን ዝገብሮን እዩ ጠፊኡኒ ዘሎ። እዚ ኹሉ ዘጥፋእክዎ ገንዘብ-ንወለደይ እንታይ ክብሎም እየ፧”
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ