ኣየርላንድ፥ ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ሰንፈላል
ብዘይ ዝኾነ ኣሰናዪ ናብ ኣየርላንድ ዝኣትው ትሕቲ ዕድመ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክሳዕ 18 ዓመት ዝበጽሑ ሕቶ ዑቕባኦም ምላሽ ስለዘይወሃቦ ኣብ ጸገም ወዲቖም ከምዘለው ንማሕበረ–ቊጠባዊ ኩነታት ዝከታተል መጽናዕታዊ ትካል ‘ኢ.ኤስ.ኣር.ኣይ’ ሓቢሩ። እቲ ትካል ነዚ ዝሓበረ፡ ብመንገዲ’ቲ ብ 4 ታሕሳስ 2018 ዝዘርግሖ ንጉዳይ ዑቕባ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ኣየርላንድ ዛዕባ ዝገበረ መጽናዕታዊ ጸብጻብ እዩ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ኣየርላንድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምስ ኣተው ዘቕርብዎ ሕቶ ዑቕባ ብቐጥታ ማለት ክሳዕ 18 ዓመት ዝኣኽሉ ስለዘይምለሰሎም ኣብ መናበይቲ ማእከላት ኣብ ትሕቲ ትሑት ቀረብን ዘይውሑስ ኣተሓሕዛን ከምዝነብሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። በንጻሩ እቶም ብመንገዲ ኤውሮጳዊ ውዕል ምምቓል ስደተኛታት ካብ ግሪኽ ከምኡ’ውን ብመንገዲ ፍሉይ ፕሮጀክት ካሌ ካብ ፈረንሳ ብሕጋዊ መስርሕ ዝኣትው ስደተኛታት፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ሻቡ ተዋሒሱ ናብ’ቲ ዝኣትውዎ ሕብረተሰብ ከጸንብርዎም ዘኽእሉ ሓገዛት ከምዝግበረሎም ይሕበር። በቶም ሕጋውያን መስርሓት ናብ ኣየርላንድ ዝኣትዉ ትሕቲ ዕድመ ስድተኛታት ግና ብቚጽሪ ኣዝዮም ውሑዳት ከምዝኾኑ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘረድእ።
እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ናብ ኣየርላንድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ትሕቲ ዕድመ፡ ካብ ኲናት፡ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክዕቆቡ ዝተሰዱ ኾይኖም፡ ገለ ድማ ምስ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤቶም ክጽንበሩ ዝኣትው ምዃኖም ሓቢሩ።
“ገለ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምዝገምገምኦ እቶም ኣብ ኣየርላንድ እትው ምስ በሉ 18 ዓመት ቅድሚ ምብጻሖም ሕቶ ዑቕባኦምን ድሕነቶምን ዝወሓሰሎም ስደተኛታት ፡ ፖሊሲ ስደት ኣየርላንድ ጽቡቕ ከምዘርብሖም እዩ፡” ትብል ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ካብ ዘቕረቡ ክኢላታት ዝኾነት ወ/ሮ ሳራ ግሮርኪ።
“እቶም ዝበዝሑ ካልኦት ግና ሕቶ ዑቕባኦም ኣብ ጠልጠል እንከሎ፡ ብቐጥታ ናብ መጻንሒ ማእከላት ከምዝኣትው ተገይሩ ንዝተሓላለኹ ጸገማት ይቃልዑ ኣለው፡” ትብል ንሳ።
ወ/ሮ ሳራ ወሲኻ፡ ዝበዝሑ ኣብ ኣየርላንድ ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ንውሕስነቶምን ጉዳይ ዑቕባኦምን ብዝምልከት ርጉጽ መረዳእታ ከምዘይብሎም ትዛረብ።
ኣብ 2017, ዝበዝሑ ኣብ ክሊ ዕድመ 16ን 17ን ዓመት ዝርከቡ ብዘይ ናባዪ ናብ ኣየርላንድ ዝኣተው ከባቢ 175 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብቲ ብ ‘ተስላ’ ዝጽዋዕ ማእከል መናበይቲ ቆልዑ ክኣትው ተገይሩ። ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ፡ ኤርትራ፡ ዒራቕ፡ ሶርያን ኢትዮጵያን እዮም። ኣብ 2016፡ እቲ ብዝሒ 126 እዩ ነይሩ። ናብ ኣየርላንድ ዝኣትው ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ምስ’ቲ ናብ ካልኦት ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣቱ ብዝሒ ክወዳደር እንከሎ ኣዚዩ ትሑት ምዃኑ ይንገር።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ኣብ ማእከል መናበዪ ቆልዑ ‘ተስላ’ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ንመስርሕ ሕቶ ዑቕባ እቶም ስደተኛታት ኣብ ምድኑጓይ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ ይነቅፍ። እቶም ሰራሕተኛታት ፡ እቶም ቆልዑ ሕቶ ዑቕባ ከቕርቡ ምሉእ ምድላዋት ኣየጻፈፉን ወይ’ውን ሕቶኦም ኣሉታዊ ምላሽ እንተተዋሂብዎ ሕማቕ ውሳኔ ክውስኑ’ዮም ዝብሉ ምኽንያታት ከምዘቕርቡ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘረድእ።
TMP – 09/12/2018
ስእሊ፥ ዘልሽኮ ሲኖባድ/ ሻተርስቶክ። ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ