መንግስቲ ጥልያን ኣብ ከተማ ትራብሉስ ናይ ሊብያ ዓጺዩዎ ዝጸንሐ ኤምባሲኡ ይኸፍት።

ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ጥልያንን ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ሓድነታዊ መንግስቲ ሊብያን ዝተበጽሐ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብን  ግብረሽበራን ምቅላስ ዝዕላማኡ ስምምዕ ፡ እዋናዊ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ርእሰ ከተማ ትራብሉስ ናይ ሊብያ ንከባቢ ክልተ ዓመት ዓጺዩዎ ዝጸንሐ ኤምባሲኡ ከምዝኸፈተ ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ግዳያት ጥልያን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማርኮ ሚኒቲ ፥ ኣብ ሊብያ ዳግማይ ተኸፊቱ ዘሎ ኤምባሲ ሃገሩ፣ ኩሉዓይነታዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምግታእን ናብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ንዘብል ዋሕዚ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ከም መተሓላለፊ ባይታ ኮይኑ ዘሎ ደቡባዊ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቊጽጽር ንምእታዉን ፡ ከም መወሃሃዲ ማእከል ክነጥፍ ከምዝኾነ ይሕብር።

እቲ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ ፥ ናብ ከተማ ትራብሎስ በጺሑ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓድነታዊ መንግስቲ ሊብያ ፋይዝ ስራጅ ድሕሪ ዝገበሮ ወግዓዊ ርክብ እዩ። ሃገሩን ሊብያን ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘማሕድሩ ዘለዉ መርበባት ገበነኛታት ንምድቓቕ ናብ ዘኽእል ሓድሽ ምዕራፍ ኣትየን ምህላወን እዉን እቲ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ኣምባሳደር ጥልያን ናብ ሊብያ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ጁሴፐ ፔሮነ ምስ ጋዜጣ `ሊብያን ሀራልድ` ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ቃለ-መሕትት`ዉን፥ ዘይሕጋዊ ስደት፣ ግብረ-ሽበራን ንግዲ ደቂ-ሰብን ንዘቤታዊ ርግኣት ሃገሩን ሊብያን  ዝጻብኡ ዘለዉ ሓባራዊ ረቛሕቲ ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ኣምባሳደር ፔሮነ ወሲዂ፥ መንግስታት ሊብያን ጥልያንን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ሓይለን ኣወሃሂደን ኣብ ምቅላስ ይጽዕታ ከምዘለዋ፥  ሰሪቱ ዘሎ ብድሆታት ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ድማ ናይ ምግባር ዓቕሚ ሓይልታት ሊብያ ኣብ ምድራዕ ሃገሩ ዝከኣላ ትሰርሕ ምህላዋ ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጥልያን ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ኣብ ማህበራዊ መራከቢታት ኣብ ዘቐመጦ ጽሑፍ እዉን፥ ኣብ ሊብያ ዳግማይ ተኸፊቱ ዘሎ ኤምባሲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ካብታ ሃገር ዝብገሱን ናብታ ሃገር ዘምርሑን ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ዝጸንዐ ቊጽጽር ዘስምር ከምዝኸዉን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ላዕለዋ ክኢላ ፖሊሲታት ኣብ ክፍሊ ናይ ወጻኢ ርክባት ኤውሮጳዊ ባይቶ ማቲያ ቶልዶ ንወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ `ቢይዝነስ ኢንሳይደር` ኣብ ዘካፈሎ ሓሳብ እዉን፥ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ካብ ፈለማ 2000ሓት ጀሚሩ ንኽልቴአን ሃገራት ዘራክበን ዛዕባ ኮይኑ ምህላዉ ፣ ብፍላይ ካብ 2013 ቊጽሪ ናይቶም ዓመታዊ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ-ጥልያን ዘብሉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ከባቢ 35,000 ናብ ከባቢ 165,000 ክብርኽ ምስ ተራእየ ፥ ነተን ክልተ ሃገራት ኣቃሪቡ ዘሎ ዛዕባ ዝወሃብ ግንዛቤ ይዛይድ ምህላዉ ተንቲኑ።

ኣብ ዉሽጢ ክልተ ቀዳሞት ሰሙናት ወርሒ ጥሪ ናይ 2017 ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ካብ ዘሎ ሂወት 227 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት  ኣቲ 207 ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ልዕሊ ዘምርሑ ዝነበሩ ስደተኛታት  ዝተመዝገበ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ሰነዳት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብርዎ`ዉን፥ ዓመተ 2016 ዕለታዊ ሂወት 14 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፈኣላ ዓመት ክትከዉን እንከላ፣ ክሳዕ መንፈቕ ወርሒ ጥሪ ናይዛ ሓዳሽ ዓመት ብመሰረት ተመዝጊቡ ዘሎ ሞት ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድማ ዛጊት ሂወት 16 ስደተኛታት ዕለታዊ ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ።