ሃንጋሪ ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ኮንተይነራት ክትዕሽጎም እያ
TMP – 23/04/2017
ሃንጋሪ ንኹሎም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ዶባታ ኣብ ዝቘሙ መዓስከራት ኣብ ናይ መራኽብ ኮንተይነራት ክትዕሽጎም እያ።
ብመሰረት እቲ ብ28 መጋቢት ዝጸደቐ ሕጊ፡ ኩሎም ስደተኛታት ኣብቲ ምስ ሰርብያ ዘዳውብ ክፋል እታ ሃገር ክዳጐኑ እዮም። ኣብቲ ዶብ ዝበጽሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ እንተላይ ልዕሊ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ክሳብ ጉዳዮም ዝጻረ ናብ መንበሪ ኣብ ዝተቐየረ ናይ መራኽብ ኮንተይነራት ኰይኖም ክጽበዩ ከምኡውን ነቲ ዝተዋህቦም ውሳኔ ይግባይ ክብሉሉ ኣይክኽእሉን እዮም።
ብሚኒስትሪ ውሽታዊ ጉዳያት እንታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ነቲ ሓድሽ ኣገባብ ብኸምዚ ይገልጾ፥ “ዕላማ ናይዚ ጥብቂ ምቍጽጻራት ንጹር ናይ ዑቕባ ኹነታት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ሃንጋሪ ይኹን ኣብ ኤሮጳዊ ሕብረት ብነጻ ከይንቀሳቐሱ ብምኽልካል ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ጸጥታ ኽሳራ ንምክልኻል እዩ።”
ቀጺሉ “…ዝዀኑ ይኹኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተታሕዙ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብቲ ዶብ ክውሰዱ እዮም፡” ይብል እቲ መግለጺ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቪክቶር ኦርባን፡ ኣብ ቃሕ ዝበሎም ናብ ሰርብያ ክኸዱ ስለዝፍቀዶም ስደተኛታት ንዘይተወሰነ ግዜ ይእሰሩ ኸምዘየለዉ እዩ ዝገልጽ።
እዚ ኣጸጋሚ ሕጊ ብማሕበራት ሰባኣዊ መሰላትን ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዀነነ እኳ እንተዀነ፡ እቲ መንግስቲ ጸጥታ ብምጥቃስ ንውሳኔኡ ቅቡል ከምዝዀነ ይካትዓሉ። ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ናይቲ ሕብረት መዐቀኒታት ዝኸይድ ከምዝዀነ ንምርግጋጽ ነቲ መዳጐኒ ማእከላት ክምርምሮን ክከታተሎን እዩ።
ሊድያ ጋል ዝተባህለት ምስ ህዩማን ራይትስ ዎች እትሰርሕ ኣካያዲት መጽናዕታዊ ዳህሳሳት፡ “እዚ ካብቲ ሃንጋሪ ሓደ ኻብቲ ሃንጋሪ ኽትክተሎ ዝጸንሐት ንስደተኛታት ዑቕባ ንኽሓቱ ኣሸጋሪ ዝገብር ዓማጺ ሕግታትን ኣገባባትን እዩ። ነቶም ዑቕባ ዝሓቱ ፈጺሙ ዘይምችእ ወይውን ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ፡” ትብል።
ሃንጋሪ ካብ 2015 ኣትሒዛ በቲ ሓርፋፍ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ክትውቀስ ጸኒሓ’ኳ እንተዀነት፡ ኦርባን ሃገሩ ንምሉእ ኤውሮጳ ዘስርሕ ጽቡቕ ኣብነት ትኸውን ከምዘላ እዩ ዝገልጽ።
ሃንጋሪ ኣብ ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ 2017 ዑቕባ ኻብ ዝሓተቱ 1,745 ነቶም 34 ጥራይ ኢያ ተቐቢላ። ኣብ ጐረቤታ ሰርብያ 7,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ተዓጊቶም ክከቡ ኸለዉ፡ ኣብ መዓልቲ 12 ዝበጽሑ ጥራይ እዮም ናብ ሃንጋሪ ክኣትዉ ዝፍቀዶም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ