ሬሳታት 24 ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ትሪፖሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ይወጽእ

ሬሳታት 24 ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ክፍትኑ ኽብሉ ዝሞቱ ስደተኛታት ጥቓ ርእሰኸተማ ሊብያ፡ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ብማዕበል ተጸፊዑ ተረኺቡ።

ማሕበር ቀያሕ ወርሒ ሊብያ እዮም ነቲ ኣሰምባዲ ጉዳይ ረኺቦሞ። ኣባል ናይቲ ማሕበር ዝዀነ ሑሳም ናስር፡ “ካብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሓበሬታ ምስበጽሓና ሬሳታት ክንእክብ ጀሚርና፡” ይብል።

“ብጠቕላላ 24 ሬሳታት ኣውጺእና፡ ምስቲ ቕርጺ መሬት እቲ ስራሕ ኣጸጋሚ እዩ ኔሩ፡” ይብል።

ናብ ኤውሮጳ ስደተኛታት ዘስግሩ ዝጥቀሙለ ጃላቡ ብቐሊሉ ዝፈርሳ ስለዝዀናን ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ 100 ሰባት ስለዝጸዓናን እቲ ዘጋጥም ሓደጋታት ልዑል እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሓለዋ ባሕሪ ካብታ ኣብ ሞራባዊ ሰነኽ ሊብያ እትርከብ ከተማ ሳብራታ 13 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ሊብያ 147፡ 19 ደቀንስትዮን ኣርባዕተ ቘልዑን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣድሒኖም።

ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ኣጀነራል ኣዩብ ቓስም መብዛሕትኦም እቶም 147 ዝደሓኑ ኣብታ ዝተጨቓጨቐት ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብ ካሜሩን፡ ሱዳን፡ ሴኔጋልን ማሊን ዝተበገሱ ምንባሮም ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ልዕሊ 72,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ ኸለዉ ልዕሊ 2,000 ኣብ ባሕሪ ሞይቶም ኣለዉ።