ኢትዮጵያ ትምህርቲ፡ ስልጠናን ዕድል ስራሕን ስደተኛታት ተመሓይሽ

ንኣሽቱ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ
ስኢሊ፦ ሮይተርስ

ኢትዮጵያ ኣብዚ ቐረባ ግዜ መቓን ሓፈሻዊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣበጊሳ ንማሕበረቑጠባዊ ህይወት ከተመሓይሽ ትፍትን ኣላ።
ብመሰረት እቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ካብ ቀንዲ ዓላማታት እቲ ኣዋጅ ስደተኛታት ክሰርሑ፡ ነብሶም ክኢሎም ኣብ መንግስትን ትካላት ረድኤትን ዘለዎም ተመርኳስነት ክቕንሱ እዩ።
ኢትዮጵያ ስደተኛታት ዝረኽብዎ ትምህርቲን ሞያዊ ስልጠናን ክውስኽ እያ ትውጥን ዘላ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ወፍሪ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ኣጸዳት ንስደተኛታት ዝኸውን ስራሕ ክፈጥር ይጽዕር ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ኣላጌ፣ ድሬ ዳዋን መቐለን ኣብ ዝቐውም ኢንዱስትርያዊ ኣጸዳት 30,000 ዕድላት ስራሕ ንስደተኛታት ክፉት ክኸውን ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ፡ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጻኢ ኽነብሩ ዘፍቅድ ኣዋጅ ንኽጸድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከተቕርቦ እያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 850,000 ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ሶማልያን የመንን ዝመጹ ስደተኛታት የአንግድ ኣሎ።
እዛ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብ ኩለን 26 መዓስከራት ስደተኛታት መመዝገቢ ማእከላት ብምኽፋት፡ ስደተኛታት ኣገዳሲ ዕለታት ህይወቶም ዘመዝግቡሉ ዕድል ኣፍቂዳ ኣላ።