ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ዘይመንግስታዊ ትካልን ኣብ ስርሒት ምድሓን ህይወት ይሳተፉ

ስእሊ፦ ያን ሌቪ/ ኤስ ኦ ኤ መዲተራንዬ። መርከብ ኣኳርዩስ እንተወሓዱ 120 ሰባት ካብ ዝጸዓነት ጃልባ ስደተኛታት ከተድሕን ትፍትን።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 125 ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ኽሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ከምዘድሓነ ገሊጹ።
ብመሰረት ሊብያ ኦብዘርቨር፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምስ ሓንቲ ዘይመንግስታዊት ማሕበር ኰይኑ እዩ ነቲ ስርሒት ምድሓን ህይወት ብ31 መጋቢት ኣብ ጥቓ ከተማ ዝዋራ ኣካይድዎ።
እቲ ዝተጠቕሰ ማሕበር ሓካይም ብዘይዶብ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ብጐማ ዝተሰርሐት ጃልባ ፈለማ ሓንቲ ኤውሮጳዊት ወተሃደራዊት በራሪት ከምዝርኣየታ ይገልጽ። ናይ ኢጣልያ ናይ ባሕሪ ማእከል ምውህሃድ ምድሓን ህይወት ነታ በቲ ማሕበር እትውነን መርከብ ኣኳርዩስ ብዛዕባ’ታ ኣብ ሓደጋ ዝነበረት 120 ዝዀኑ ሰባት ጽዒና፡ ካብ ገማግም ሊብያ 44 ኪሎሜተር ዝኸውን ርሒቓ እተንሳፍፍ ዝነበረት ጃልባ ሓቢሮማ።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቲ ስርሒት ክቕበልዎ ስለዝዀኑ፡ መርከብ ኣኳርዩስ ደው ኢላ ኽትጽበ ተኣዚዛ። እንተዀነ፡ ኣባላት ሓካይም ብዘይዶብ እቲ ኹነታት እናኸፍአ ኽኸይድ ስለዝረኣዩ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብቲ ቦታ ክሳዕ ዝበጽሑ ነቲ ስርሒት ምድሓን ህይወት ጀሚሮሞ።
እተን ንመርከብ ኣኳርዩስ ብሓባር ዘካይዳኣ ማሕበራት ሓካይም ብዘይዶብን ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንዬን፡ ምስ ኢጣልያውያን ምስተዘራረባ፡ ኣባላተን ነቲ ኹነታት ከህድእዎ ኽፍትኑ ህይወት ዘድሕን ጃኬታት ዓዲሎምን ኩነታት ጥዕና እቶም ስደተኛታት ኣጻርዮምን።
ምስ ኢጣልያዊ ናይ ባሕሪ ማእከል ምውህሃድ ምድሓን ህይወትን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ብምርድዳእ፡ ሓካይም ብዘይዶብ፡ ሓድሽ ዝተወልደ ናጽላ፡ ነብሰጾር፡ ህጻናትን ስድራቤታትን ዝርከብዎም 39 ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ኣዝዮም ዝተወጽዑ ስደተኛታት ከውጽእ ክኢሉ።
ኣኳርዩስ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብቲ ቦታ ኽትእለ ምስተኣኣዘዘት፡ ኣብታ ናይ ጐማ ጃልባ ዝነበሩ 80 ዝበጽሑ ሰባት ናብ ሊብያ ተወሲዶም።
ብመሰረት ሓደ ኣብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝርከብ ምንጪ፡ እቶም ዝተረፉ ስደተኛታት ኣብ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣቡ ሲታ እዮም ተወሲዶም። ተመዝጊቦም፡ ናይ ጥዕናን ስንቅን ቀረባት ተዓዲልዎም፡ ናብቲ ኣብ ታጁራ ዝርከብ ብወኪል ጸረ-ዘይሕጋዊ ስደት እታ ሃገር ዝካየድ መዕቈቢ ተወሲዶም።