ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ልዕሊ 200 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ይኣስሩ

ትሪፖሊ፥ ሚያዝያ 19፥ 2016፥ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ሊብያ ፥ 203 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ እንዳ ተዳለው ከለው ከም ዝሓዝዎም ኣፍሊጦም።

Screen Shot 2016-04-19 at 12.21.25 PM

ፖሊስ ሊብያ፥ ድሕሪ ዝበጽሖም ሓበረታ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል፥ ኣል ሓሸንያ ዝበሃል ክፋል ናይ ትሪፖሊ፥ ኣብ ሓደ መኽዘን ናይ ሓደ ኣስጋሪ ተኣኪቦም ዝጸንሕዎም ስደተኛታት ከም ዝኣሰርዎም ድሕሪ ምግላጽ፥ ድሕሪኡ ነቶም ስደተኛታት ኣኪቦም ከም ዝወሰድዎም ይገልጹ።

Screen Shot 2016-04-19 at 12.20.29 PM

Screen Shot 2016-04-19 at 12.21.00 PM

እቶም ኣካላት ጸጥታ፥ ኣብ ካልእ መኽዘን እውን ፥ ክሳብ ሕጂ ቑጽሮም ዘይተገልጸ ስደተኛታት ከም ዝረኸቡን ኣብ ቁጽጽር ከም ዘውዓልዎምን ይሕብሩ።

 

ክሳብ ሕጂ፥ ናይ ጥልያን ውሽጣዊ ጉዳያት ምኒስትሪ፥ ካብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት፥ ኣሃዝ ናይ ሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ክሳብ ዝሓለፈ ሓሙስ ፥ 23,739 ከም ዝበጽሐ ገሊጹ ነይሩ። ዓለማዊ ማሕበር ፍልሰት እውን ብወገኑ፥ ኣብ ዉሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት፥ 6000 ስደተኛታት ናብ ገማግም ናይ ኤሮጳ ከም ዝበጽሑ ገሊጹ ነይሩ።