“ስደተኛታትን ሳገምቲን ብ ፖሊስን ሚሊሻን ሊብያ ይጋፍዑ ኣለዉ” –ዓለምለኻዊ ማሕበር ፍልሰት

ብዙሓት ስደተኛታት ብሰንኪ ግፍዒ ናይ ኣካላት ጸጥታን ሚሊሻን ሊብያ ኣማሪሮም ንዓዶም ይምለሱ ከም ዘለዉ ዓለምለኻዊ ማሕበር ፍልሰት ኣፍሊጡ። እዚ ማሕበር፥ ካብ ሰነጋል፥ ጋምብያ ቡርኪና ፋሶን ካሎኦት ሃገራትን ኢዮም ዝበሎም ኣሽሓት ስደተኛታት፥ ነናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ኣድላዩ ዝበሎ ምትሕብባር ይገብረሎም ከም ዘሎ እውን ገሊጹ።

African Migrants in Libya

ብናይ ሊብያ ሓለዋ ባሕሪ ካብ ትጠልቕ ዝነበረት ጃልባ ዝደሓኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ታሕሳስ 2015. Photo: AP.

ኢታ ቪሪሪ ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ናይዚ ማሕበር እዞም ስደተኛታትን ሳገምትን ኣዝዩ ቡዙሕ ጥርዓናት ኣንጻር ፖሊስን ሚሊሻታት ሊብያን ናብዚ ማሕበር ከም ዘብጽሑ ሓቢራ።

“ካብ ቡዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝቕመጡ ዘለዉን ዝተመልሱን ዝኣከብናዮ ሓበረታ ከም ዘመልክቶ፥ ቡዙሓት ስደተኛታት ናይ ሊብያ ካብ ቀደሙ ዝተዓጻጸፈ መጠን ናይ ግፍዒ ይወርዶም ከም ዘሎ ክንርዳእ ኪኢልና ኣለና። እዚ ግፍዒ ድማ ፥ ካብ ንብረትን ገንዘብን ስደተኛታት ምርሳይ ጀሚሩ፥ ክሳብ ስደተኛታት ዝሰርሑሉን ዝግቦኦምን ደሞዝ ምንፋግ ከም ዝበጽሕ ሓበረታ ኣለና ” ኢሉ።

ኣቶ ቪሪሪ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ናይ ቀደም ብዙሕ ኣዝዩ  ተርእቶታት ናይ ምጭዋይን ናይ ምግባትን ፥ ከምኡውን  ገንዘብ ምርሳይ ይርኤ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ከም ዝዝከር፥ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፥ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ መግለጺ፥ ኣብ ሊብያ፥ ብኣባላት ጸጥታ፥ ሚሊሻን ቀርሰንትን ፥ፍኑው ተርእዮታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘሎ ተሓቢሩ ነይሩ።

ሊብያ፥ ብሰንኪ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣ ፥ መብዛሕቶም ሳገምቲ ን ኤሮጳ ንምስጋር ዝጥቀሙላ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብ ኩናትን ስርዓት ኣልቦነትን ትሕመስ ዘላ ሃገር ኢያ።