ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተቀቲሎም ተረኺቦም

 

Tripoli, April 2, 2016:-  ኣብ ሊብያ፥ ኣብ ሓለዋ ናይ ነዳዲ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ 2 ኣባላት ጸጥታ፥ ብ ኣባላት ዳዒሽ ከም ዝተቐተሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣፈኛ ናይ ኣካላት ጸጥታ ዓሊ ኣል ሓሲ ከም ዝገለጾ፥ ኣብ 10 መካይን ዝተጻዕኑ ኣባላት ዳዒሽ፥ ኣብታ ካብ ራስ ላኑፍን ኢስ ስዲርን 250 ኪሎመተር ሪሒቃ ዝርከብ ናይ ባድያ ዒላታት ናይ ነዳዲ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ነዞም ኣባላት ጸጥታ ከም ዝቐተልዎም ሓቢሩ።

ከም ዝፍለጥ፥ ምስ እስላማዊ ጥሩፍ ምንቕስቃስ ዝደናገጹ ዑጡቓት ፥ ንደቡባዊ ክፋል ሊብያ ብምቑጽጻር ፥ መብዛሕቶም ስደተኛታት ዝንቐሳቐሱሉን ናይ ነዳዲ መዓደኒ ዒላታት ዝርከቦን ክፋላት ናይ ሊብያ ብምቁጽጻር፥ ኣብ ሂወት ሳገምትን ሊብያውያንን ብዙሕ ሽግራት የስዖቡ ኣለው።