ኢትዮጵያ ዕድላት ትምህርቲ ንስደተኛታት ተዕብይ
ኤርትራውያን ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ። ስእሊ፥ ጀይ.ኣር.ኤስ ኢስተርን ኣፍሪካ
ክፍሊ ምምሕዳር ጉዳያት ስደተኛታትን ተመላሶን ኢትዮጵያ (ARRA) ዕድላት ትምህርቲ ነቶም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ቆልዑ ስደተኛታት ውሑስ ክኸውን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽሎ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ብጉዳይ ስደተኛታት ዝተቓንዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዝተኣትዉ 9 መብጸዓታት ተግባራውነቶም ንምውሓስ ከኽእል’ዩ ዝበለቶ ‘ኣጠቓላሊ መርሓ ንጠለብ ስደተኛታት’ Comprehensive Refugee Response Framework (CRRF) ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ከምዝበገሰቶ ይዝከር።
ብመንገዲ እቲ ኣጠቓላሊ መርሓ ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ስደተኛታት ነብሶም ኽእልሉ፡ ምስ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ተወሃሂዶም ክነብሩን ኣብ ልምዓታዊ መደባት ክጽንበሩን ክስረሓሉ ምዃኑ እዩ ተነጊሩ።
ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ዛጊት 177,745 ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ቅድመ-መባእታ ክሳዕ ካልኣይ ደረጃ ኣገልግሎታት ትምህርቲ ይረኽቡ ምህላዎም እዮም መንግስታውያን ጸብጻባት ዝሕብሩ።
ሓላፊ ጉጅለ ማሕበራዊ ርክባት ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ጉዳያት ስደተኛታትን ተመላሶን ኣቶ ሱሌማን ዓሊ ንወኪል ዜና ኢትዮጵያ (ENA) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ዝሳተፉ ዘለው ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ 2017 ናይ 8.5 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ገሊጹ።
“ንትምህርቲ ዕድሜኡ ዝኣኸለ ቆልዓ ካብ ቤት-ትምህርቲ ከርሕቕ ኣይግባእን” ዝብል ጭርሖ ብዝሓዘለ ጎስጓስ ፡ ክፍሊ ምምሕዳር ጉዳያት ስደተኛታትን ተመላሶን ኣብ 2017 ን 20,573 ቆልዑ ስደተኛታት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝጸንበረ እውን ኣቶ ሱሌማን ይሕብር።
እቲ ክፍሊ ፡ ሓደስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ምህናጽን ብቑዓት መምሃራን ኣብ ምእካብን ተኺሉ ይሰርሕ ምህላው እውን ይንገር። “ ኣብ 2017 ጥራይ 28 ኣረርባዕተ ክፍልታት ዝሓቚፍ ተወሰኽቲ ብሎካት ሃኒጽና፡ 139 ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም 288 መምሃራን ድማ ቆጺርና ኣሎና፡” ይብል ኣቶ ሱሌማን ወሲኹ።
ቊጽሪ ናይቶም ናብ ካልኣይን ላዕለዋይን ደረጃ ትምህርቲ ዝኣትው ዘለው ስደተኛታት’ውን ወሰኽ የመዝግም ከምዘሎ ይንገር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 2010 ንኤርትራውያን ካብ 2012 ድማ ን ደቡብ ሱዳናውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታት- ዕድላት ማህደረ ትምህርቲ ክፉት ከምዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዛጊት 2,380 ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ክመሓሩ ዕድል ከምዝረኸቡ ይሕበር።
ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ከተማታት ኣዲስ-ኣበባን ሽረን ናብ ዝርከባ ማእከላት ቴክኒካውን ሞያውን ስልጠና ዝጽንበሩ ዘለው ስደተኛታት እውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ዛጊት 6,773 ስደተኛታት ኣብተን ማእከላት ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ረኺቦም ኣለው።
ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕትኦም ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፡ ሶማል፡ ኤርትራን ሱዳንን ምዃኖም ዝንገረሎም ልዕሊ 850,000 ስደተኛታት ምህላዎም ሰነዳት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የርድእ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ