ዶብ እንግሊዝ-ፈረንሳ ከም ቀደሙ ንስደተኛታት ዕጹው ኰይኑ ይቕጽል

TMP፥ 25 ሓምለ 2016:- ፈረንሳዊ ፕረሲደንት ፍራንስዋ ኦላንድ እቲ ናይ 2003 ስምምዕ ለ ቱኬ ብሰንኪ ምውጻእ እንግሊዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከምዘይጽሎ ገሊጹ። እዚ ማለት፡ ኣብቲ ብሸነኽ እንግሊዝ ዘሎ ዶብ ፈረንሳን-እንግሊዝን ከም ናይ ካሌ ዝኣመሰለ መዓስከራት ስደተኛታት ኣይክቐውምን’ዩ።

ምስቲ እንግሊዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምውጽኣ ዝገልጽ ዜናታት፡ ብዛዕባ ምፍራስ ስምምዓት ዶብ እንግሊዝን ፈረንሳን ኣብ ብሪጣንያ ብዙሕ ስክፍታ ተፈጢሩ’ዩ ጸኒሑ። ከም ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ዶባት ክፉት እንተዝኸውን፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣሽሓት ሕጋዊ መስርሕ ዘይሓለፉ ስደተኛታት ምወሓዙ።

ብሪጣንያዊት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ቴሬዛ መይ፡ ድሕር’ቲ ዕዉት ዝበለቶ ርክብ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንጹር ምርድዳእ ከምዝበጽሑ፡ ፕረሲደንት ፍራንስዋ ኦላንድ ከምኡውን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት በርናርድ ካዞነቭ ነቲ ጉዳይ ብንጹር ከምዝተሰማምዑሉ ኣረዲኣ።

ኣብ 2003 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምጽናዕ ዶብ፡ ኣባላት ሓለዋ ዶብ እንግሊዝ፡ ኣብቲ መጻብቦ እንግሊዝ ሰጊርካ ዝርከብ ገማግም ፈረንሳ ዀይኖም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይሓልፉ ክከላኸሉ ዘፍቅድ’ዩ።

እዚ ርክብ ኣብ ምርድዳእ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ሰብመዚ ፈረንሳ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ካሌ ዘይሕጋዊ ኣብያተመግብን ድኳናትን ክዓጽዉ ቐንዮም። ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ወከልቲ ረድኤት፡ ናብቲ መዓስከር መዓልታዊ ዳርጋ 50 ዝበጽሑ ሓደስቲ ሰባት ይኣትዉ ኸምዘለዉ፡ ከምኡውን ቁጽሪ’ቶም ካብ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብአን ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት 7,307 ከምዝበጽሐ ይገልጹ ኣለዉ።