እስራኤል ነቲ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ካብ ሰራዊት ዝሃደሙ ስደተኛታት ዝተዋህበ ውሳኔ ይግባይ ትብለሉ
ስእሊ፡ ዮናታን ሲንደል/ፍላሽ9። ተቐማጦ ደቡብ ተል ኣቪቭ ብ26 ነሓሰ 2017፡ ኣብ ዮርሳሌም ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ዋና ዳኛ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚርያም ናኦር ይእድሙ።
መንግስቲ እስራኤል ነቲ ብሓደ መማዪ ሽማግለ ስደተኛታት ዝተወሰነ፡ ካብ ኤርትራ ካብ ሰራዊት ኣምሊጦም እስራኤል ንዝኣተዉ መሰል ዑቕባ ክወሃቡ ዘፍቅድ ውሳኔ ይግባይ ክብለሉ ምዃኑ፡ ውሽጣዊ ኣፍልጦ ፖለቲካ እታ ሃገር ዘለዎም ወገናት ንጋዜጣ ሃኣረጽ ሓቢሮም።
እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣርየ ደሪን ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታት ዝተኣከቡ ሓለፍትን ኣብ ዝተረኽቡሉ እዩ ተላዒሉ። እቶም ሚኒስተራት፡ እታ ሃገር ንጉዳይ እቶም ካብ ሰራዊት ዘምለጡ ብምዃኖም ዑቕባ ዝተነፍጎም ኤርትራውያን ክዘራረቡ እዮም ተራኺቦም።
እቲ ውሳኔ፡ እስራኤል ንጉዳይ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዳግም ግምት ክትህቦ ዝግድድ፡ ንኤርትራውያን ብጥርኑፍ ናይ ምጥራዝ መደብ ክቋረጽ ዝግድድ እዩ።
ኣቐዲሙ፡ ዳኛ ኤላድ ኣዛር ኣንጻር እቲ ጥርኑፍ ምንጻግ ሕቶ ዑቕባ ካብ ዕስክርና ዘምለጡ እንተተመሊሶም መንግስቲ ኤርትራ ሕነ ኸይፈድየሎም ዝፈርሑ ኤርትራውያን ወሲኑ ኔሩ።
እቲ ሽማግለ ጉዳይ ስደት ብሓደ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጎ ኤርትራዊ ዝቐረበ ናይ ይግባይ ጥርዓን ተኸልቲሉ እዩ ነቲ ኣርእስቲ ተኻቲዑሉ። እቲ ስደተኛ ናብ ሃገሩ እንተተመሊሱ፡ ካብ ዕስክርና ምምላጡ ከም ፖለቲካዊ አርገጺ ተወሲዱ፡ ግፍዒ ክወርዶ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ እቲ ዳኛ፡ ኣቐዲሙ ንዝተወስደ ውሳኔ ብምንጻግ፡ እቲ ስደተኛ ንዑቕባ ብቑዕ ምዃኑ ወሲኑ።
እቲ ዳኛ ነፍሲወከፍ ሕቶ ዑቕባ በብሓደ ኽምርመር ከምዝግብኦን፡ ኣብ ገሊኡ ጉዳያት ብመሰረት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ስደተኛታት ካብ ሰራዊት ምምላጥ ግፍዒ ኸስዕብ ከምዝኽእል ፍርሒ እንተልዩ፡ ዑቕባ ንምርካብ መኽንያት ኽኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ። ንሱ፡ እቲ ውሳኔ ነፍሲወከፍ ካብ ሰራዊት ዘምለጠ፡ ወይ ከይተዓስከረ ዝሃደመ ሰብ ዑቕባ ይግብኦ እዩ ማለት ከምዘይኰነ ገሊጹ።
እቲ ዳኛ፡ “ፍርሒ ናይቲ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ሓቀኛ መኽንያት ዝተምርኰሰ እንተዀይኑ ንምፍላጥ ኣብ ውሁብ ኩነታት መበቆል ሃገሩን ኣብ ውልቃዊ ኩነታቱን ተመርኲስካ ኽርአ ኣለዎ፡” ኽብል ጽሒፉ።
ኣዛር፡ ብኽኢላታት ዝተጻሕፈን ምስቲ ይግባይ ዝጠበቐን ሰነድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝጥቀመሉ መሳርሒ ጭቈና ኸምዝዀነን፡ ካብ ምዕጣቕ ምህዳም ወይ ካብ ሰራዊት ምምላጥ ነቲ ስርዓት ከም ምቅዋም ከምዝቝጸር ዘነጸረ ኸምዝነበረ ገሊጹ። እቲ ሰነድ ምስቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ ድማ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣህጉራዊ ውድብ ስደትን ከምዘረጋገጽዎ ሓቢሩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ