ብዝሒ ኣብ ባሕሪ ረድኤት ምድሓን ህይወት ዘድልዮም ስደተኛታት ኣብ ወገን ኢጣልያ ይውስኽ

ብሰሉስ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥቓ ሊብያ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ 3,000 ስደተኛታት ከምዘድሓነ ኣዣንስ ፍራንስ-ፕረስ ሓቢሩ። ምስዞም ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብዛ ዓመት ዝደሓኑን ናብ ወደባት ኢጣልያ ዝተወስዱን ሰባት 37,000 በጺሖም ኣለዉ። ኩነታት ኣየር እናሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ቁጽሪ ተሳገርቲ ስለዝወሰኸ፡ ኣብተን ክሳብ ትማሊ ዝነበራ ክልተ መዓልታት ጥራይ 5,600 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም።

ብመሰረት ኣዣንስ ፍራንስ-ፕረስ እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ’ኳ እንተዀኑ፡ ደቂ ኣየኖት ሃገራት ምዃኖም ዝርዝር ኣይተረኽበን። ብመሰረት ጸብጻባት ሰብ መዚ ኢጣልያ፡ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ስደተኛታት መስመሮም ካብ ግሪኽ ናብ ኢጣልያ ኣይቀየሩን ዘለዉ።

ክኢላታት ዋሕዚ ስደተኛታት፡ እቶም ካብ ሶርያ፡ ዒራቕን ካልኦት ኲናት ዘሳቕየን ዘሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዝተበገሱ ስደተኛታት መገዲ ግሪኽ ምስተዓጽዎም ብሰሜን ኣፍሪቃ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኢጣልያ ኽጕዓዙ ከምዝዀኑ ትጽቢታቶም ገሊጾም ኔሮም። ኣብ 2015፡ ፍርቂ ኻብኣቶም ሶርያውያን ዝዀኑ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ሓቲቶም’ዮም። ኣብ ምዕራባ ዞባ ባልካን ዝነበረ ዶባት ኤውሮጳ ምስተዓጽወ እቲ ልሙድ መስመራት ስለዘቋረጸ፡ ኤውሮጳ ምስ ቱርኪ ስምምዕ ምስበጽሐት፡ ነቲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ባልካን ናብ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ስሜን ኤውሮጳን ዝነበረ መስመር ስደት ክዓግቶ’ዩ ጸኒሑ።

ብመሰረት ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ መንጎ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቱርኪን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብደሓኖም ናብ ግሪኽ ዝኣትዉ ስደትኛታት ናብ ቱርኪ ክምለሱ ይኽእሉ’ዮም። እቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣበርቲዖም ዝተቓወምዎ ስምምዕ፡ ንኣሳገርቲ ሰባት ንምእላይ ምእንቲ ኽጥዕም፡ ንነፍሲ ወከፍ ካብ ግሪኽ ዝምለስ ስደተኛ፡ ቅያሩ ካልእ ኣብ ቱርኪ ዝጸንሐ ሰላማዊ ስደተኛ ናብ ኤውሮጳ ክኣቱ ይፍቀደሉ።

ኣደ-መንበር ቤት-ጽሕፈት ትካላት ኤውሮጳን ዳይረክተር ምጥባቕ መሰላት ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝዀነት ኣይቨርና ማክጎዋን፡ኣብ ወርሒ መጋቢት ንኢንተርናሽናል ቢዝነስ ታይምስ “ሕጂ ኻልእ መገዲ ምዕጻው ኣብ ዝነድድ ዘሎ ህንጻ መውጽኢ ከም ምዕጻው’ዩ” ክትብልብዛዕባ’ዚ ኹነታት ሓሳባ ገሊጻ ኔራ።

“ሰባት ብመስኮት ክነጥሩ’ዮም፡ ካልእ መውጽኢ ክረኽቡ’ዮም” ድማ ትብል።