ልዕሊ 80 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ክጥረዙ

ስእሊ፥ ኣጀንሰ ፍራንስ ፕረስ። ኣብ ሊብያ ዝተዳጎኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት

ካብ ኣሰጋገርቲ ድሕሪ ምምላጦም ብኣባላት ጸጥታ ዝተኣስሩ ዜጋታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝኾኑ 81 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ምዃኖም ሰብ-መዚ ሊብያ ሓቢሮም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ኣሰጋገርቲ ኣምሊጦም ናብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሊብያ ዝርከብ መስጊድ ከምዝተዓቚቡን ፡ ሓደ ካብ መንፈሳውያን መራሕቲ እቲ መስጊድ ንኣባላት ጸጥታ ድሕሪ ምሕባሩ ድማ ከምዝተዳጎኑን እዩ ሮይተርስ ዝሕብር።

“እቶም ስደተኛታት ‘ዚዩቲና’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተዶኪኖ ዝርከብ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝዳጎኑሉ ማእከል እዮም ዘለው። ናብ ሃሃገሮም ክሳብ ንመልሶም ድማ ኣብኡ ኣጽኒሕናዮም ኣለና፡” ይብል ወኪል ክፍሊ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ሊብያ ኣብ ከተማ በንቓዚ ዝኾነ ኣቶ ኣሕመድ ኣልዓሪፊ።

እቲ ወኪል ወሲኹ፡ ኣብ 2017 ብጠቕላላ 5,686 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ምብራቓዊ ሊብያ ነናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ይሕብር። እቲ ኣሃዝ ዕጽፊ ናይቶም ኣብ 2016 ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተገብሩ 2,912 ስደተኛታት ምዃኑ እዩ።

ቤንቓዚ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝርከብ ኤርትራዊ ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት 4,000 ዶላር ኣሜሪካ ከፊሉ ባሕሪ ንምስጋር ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ከምዝኣተወ ፡ምድረበዳ ሰጊሩ ናብታ ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ ቀንዲ መናሃርያ ዘይሕጋዊ ስደት ምዃና ዝንገረላ ከተማ ሳብራታ ኣትዩ 4 ወርሒ ድሕሪ ምጽባዩ ድማ መንገዲ ተዓጺዩ ምህላው ከምዝተነግሮ ይዛረብ።

እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ወሲኹ፡ ኩነታት ምስ ጸንከረን ኣሰጋገርቱ ተወሳኺ 2,000 ዶላር ኣሜሪካ ምስጠለቡን ብ ከተማ ባኒ-ዋሊድ ኣኳሊሙ ጥቓ ከተማ ‘ዚዩቲና’ ናብ ዝርከብ ኣጅዳቢያ ዝጽዋዕ ከባቢ ከምልጥ ከምዝተገደደ ይሕብር።

“ድሌተይ ናብ ዓዲ-ጥልያን ንምብጻሕ’ዩ ነይሩ። ግና ዕድል ኣይገበርኩን። ካብ ዓደይ ሕሰምን ምልክን ስለዝበርታዓኒ እየ ሃዲመ። ኣብ ሊብያ ምስበጻሕኩ ኣንተኾነ’ውን ኣብ ትሕቲ ኣሰጋገርቲ ኣደዳ ሕሱም ኣተሓሕዛን ሕማማትን ኮይነ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ንዓደይ ክምለስ ኣይክእልን እየ ። ድሌተይ ናይ ኤውሮጳ ምብጻሕ ጥራይ እዩ፡” ይብል ንሱ።

ካብ ማያዊ ገማግም ከተማ ሳብራታ ዝብገስ ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ መፋርቕ 2017 ክጎድል ምጅማሩ ይንገር። ኣብ’ታ ከተማ ዝነጥፍ ዝነበረ ጉጅለ ኣሰጋገርቲ እውን ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈት ዓመት ምእላዩ ይዝከር።