ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ናይጀርያውያን ስደተኛታት ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ይምለሱ

መሬት ሃገሩ ምስ ረገጸ ምስጋናኡ ዝገልጽ ዘሎ ናይጀርያዊ መንእሰይ

ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ከምዝጸንሑ ዝተነግረሎም 164 ናይጀውያን ስደተኛታት ብመስርሕ ወለንታዊ ምምላስ ናብ ሃገሮም ከምዝኣተው ተገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሊብያ ንከባቢ ሓደ ዓመት ተዳጒኖም ክሳቐዩ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ብዝመርሖ ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዘበሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ናይጀርያ፥ እቶም ተመላሶ ስደተኛታት ብነፋሪት ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሙርታላ መሓመድ ናይ ከተማ ሌጎስ ከምዝኣተው ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ምስ ኤምባሲ ናይጀርያ ኣብ ሊብያ ብምርድዳእ እዩ ነቶም 97 ደቅ-ተባዕትዮ፡ 54 ደቅ-ኣንስትዮን 11 ህጻናትን ዝርከብዎም ስደተኛታት መሊሱዎም ዘሎ።

ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኣተውሉ፡ መሬት ክሳለሙን ናብ ሃገሮም ብሰላም ምምላሶም ዝፈጠረሎም ባህታ ብስምዒት ክገልጹን ከምዝተራእዩ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

“ካብ ሃገረይ ቅድሚ ምእላየይ ሓደ ደላላይ መጺኡ ናብ ዓዲ ጥልያን ብሰላም ከምዘእትወንን ኣብኡ ድማ ርቡሕ ሂወት ከሕልፍ ምዃነይን ነጊሩኒ። ስድራይ ድማ በቲ ሓሳብ ሰዲዖም ተሰማሚዕሞ። ነብሰይ ግና ኣብ ኤውሮጳ ዘይኮንኩ ኣብ ሊብያ ክትዕገት እየ ርእየያ። ኣብ ሊብያ ከለኹ’ውን እንተኾነ እቲ ደላላይ ንዓዲ-ጥልያን ከእትወኒ ከምዝኾነ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ብቐጻሊ ይገብር ነይሩ። ዝተቐየረ ነገር ግና ኣይነበረን፡” ትብል እደሱዋ ዝስማ ሓንቲ ካብቶም ተመለስቲ።

ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ ሊብያ ንከባቢ ሓደ ዓመት ከምዝተዳጎነት፡ ናብ ሃገራ ብወለንታኣ ክትምለስ ዘኽእላ ዕድልን መንገዲን ከምዘሎ ኣብ ዝፈለጠትሉ ድማ ዓይና ከምዘይሓሰየት ጠቒሳ፡ ናብ ገሃነም ተቐዪራ ኣብ ዘላ ሊብያ ዝሓለፈቶ ጸገም ንጸላኢኣ’ውን እንተኾነ ከምዘይትምነየሉ ትዛረብ።

ኦወንን ኤሒስን ዝተባህሉ ካልኦት ተመለስቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እውን፡ ናብ ዕጡቓት ጉጅለታት ከም ገላዩ ድሕሪ ምሻጦም፡ ንከባቢ ሽውዓተ ኣዋርሕ ከምዝተዳጎኑ ይገልጹ።

ኣብ ሊብያ ልዕሊ 700,000 ስደተኛታት ከምዝርከቡ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሓያሎ ካብዚኦም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ይሳቐዩ ምህላዎም እዩ ዝንገር። ኣብታ ሃገር እንዳሓሰመ ብዝመጽእ ዘሎ ኩነታት ድማ ቊጽሪ ናይቶም ብወለንታኦም ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝመርጹ ስደተኛታት ይዛይድ ከምዘሎ ይሕበር።