ኤውሮጳውያንን ኣፍሪቃውያንን ሚስኒተራት ኣሰቃቒ ኩነታት ስደተኛታት ይዝትዩ

ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ይበጽሑ፡ ኣብ ትሪፖሊ 6 ሕዳር፡ 2017 ስእሊ፡ ሮይተርስ/ ኣሕመድ ጃድኣላህ
ብ13 ሕዳር፡ ካብ 13 ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝተዋጽኡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን፡ ወከልቲ ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ተኣኪቦም ብዛዕባ’ቲ ቕልጡፍ መልሲ ዘድልዮ ጉዳያ ዋሕዚ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዝጕዓዙ ስደተኛታት ዘትዮም።
ኣልጄርያ፡ ኦስትርያ፡ ጫድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ሊብያ፡ ማሊ፡ ማልታ፡ ኒዤር፡ ስሎቨንያ፡ ስዊዘርላንድን ቱኒዝያን እየን ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፈን።
እተን ሃገራት ኣባላት ናይቲ ተጸዋዒ ጉጅለ ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ኤውሮጳውያንን ኣፍሪቃውያንን ብስደት ዝተጸልዋ ሃገራት ሃገራት ዝህሉ ምልልውዋጥ ሓበሬታ ዘቃላጥፍ ምትእኽኻብ ሃገራት እየን። ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም።
ዕላማታት ናይቲ ኣኼባ ምምሕያሽ ኩነታት መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ብፍላይ ንደቀንስትዮ፡ ህጻናትን መሰነይታ ዘይብሎም ንኣሽቱን፡ ከምኡድማ ኣብ ክንዲ ምድጓን ክርከቡ ዝኽእል ኣማራጺታት ምንዳይ እዩ ኔሩ። ብፍቓድ ምምላስ ስደተኛታት ምትብባዕ፡ መሰረታውያን መበገስቲ ስደት ምልላይ፡ ቁጠባዊ ኣማራጺታት ምፍጣርን ከም ማህደረትምህርትን ስልጠናን ዝኣመሰለ ኣማራጺታት ንመገድታት ስደት ምፍጣርን ተዘሪቡሎም።
ነቶም ዝያዳ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ንምጽላል ዘኽእል ሓባራዊ ኣዋጅ በቶም ተሳተፍቲ ተቐባልነት ረኺቡ። እቲ ኣዋጅ ምድልዳል ናይ ዑቕባን ድሕነትን ኣገባባት ኣብ መስመራት ስደት ማእከላይ ወገን ማእከላይ ባሕሪ፡ ከምኡ ድምእ ምስግጋር ሰባት ንምክልኻል ዝግበር ስጕምታት ክሕይልን ንመሸጣ ሰባት ምቅላስን ይርከብዎ።
ኣብ መስመር ስደት ማእከላይ ወገን ማእከላይ ባሕሪ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ሓደገኛ ኹነታት እናወደቑ፡ ኣብ ኢድ ኣስገርትን ተሻየጥትን ኣደዳ ምዝመዛ፡ ጐነጽን ምፍርራሕን ይዀኑ። ምድረበዳ ኽስንጥቑ ወይ ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ብዙሓት ይሞቱ።
“እቲ ነልዕሎ ዘሎና ጉዳያት ኣዝዩ ብርቱዕ ስለዝዀነ ኣዝዩ ጽዕጹዕ ዘተ ኢና ኣካይድና፡” ትብል ነቲ ዋዕላ ዘአንገደት ስዊዘርላንዳዊት ሚኒስተር ፍትሒ ሲሞኔታ ሶማሩጋ። “ስለዚ ኢና ስደተኛታት ኣብ ምዕቃል ኣድሂብና። ዝተፈላለየ ኣጠማምታ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኔሮምና፡ ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ነጥቢ ኹላትና ተሰማሚዕና… ብፍላይ ኣብ ሊብያ ንዘሎ ኹነታት ስደተኛታትን ተሰደድትን ከነመሓይሾ ኢና ንደሊ።”