ቤት-ፍርዲ ግብጺ 56 ኣሰጋገርቲ ንማእሰርቲ ፈሪዱ

ቤት-ፍርዲ ግብጺ ኣብ ህልቂት’ቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናይ 2016 ኣብ ገማግም ማያት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ መርከብ ሂወቶም ዝሰኣኑ 200 ስደተኛታት ገበነኛታት ኮይኖም ዝረኸቦም 56 ኣሰጋገርቲን ተሓባበርትን  ንማእሰርቲ ፈሪዱ።

እቶም ካብ 2 ክሳዕ 14 ዓመታት ብጽኑዕ ክእሰሩ ዝተፈርዱ ገበነኛታት ፡ ብመቕተልቲ፡ ሸለልትነት፡ ምጥቃም ድሕነታዊ ትሕተ-ቅርጺ ዘይብለን ጀላቡ ንዘይሕጋዊ ስራሕ፡ ሂወት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ምእታዉ፡ ከምኡ’ዉን ዘይሕጋዊ ስደት ምዉዳብ ብዝብሉ ተግባራት ዝተኸሱ እዮም።

ከምዝዝከር፡ እታ ዜጋታት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልን ግብጽን ዝኾኑ ከባቢ 450 ስደተኛታት ዘሳፈረት ዓባይ ጃልባ ካብ ወደባዊት ከተማ ሮዘታ ተበጊሳ ናብ ዓዲ-ጥልያን እንዳምርሐት እያ ጥሒላ።

ወናኒን ኣባላትን ናይታ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ብዝሒ ሰባት ብምስፋራ ዝጠሓለት መርከብ፡ ብርክት ዝበለ ናይ ማኣሰርቲ ዓመታት ክውሰነሎም እንከሎ፡ ብዘይካ ገበነኛ ከምዘይኮነት ድሒሩ ዝተመስከረላ ጓል-ኣነስተይቲ፡ ሓያሎ ደላሎን ተሓባበርቲን ተመሳሳሊ ፍርዲ በጺሑዎም ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

እቶም ውሕድ ዝበለ ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ዝተበየነሎም ወገናት፡ ንስደተኛታት እዂል ድሕነታዊ ቐረብ ብዘይምዎዳዶም፡ ካብ ስደተኛታት ገንዘብ ብምሕታቶምን ምቕባሎምን፡ ብኣባላት ጸጥታ ንዝድለዩ ገበነኛታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ብምዕቛቦምን ካልእን ዝተኸሰሱ’ዮም።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ህልቂት ፥ መንግስቲ ግብጺ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብን ዘይሕጋዊ ስደትን ተሪር ሕጊ ከውጽእ ዓቢይ ድፍኢት ከምዝገበረ እዩ ዝንገር። ክልተ ወርሒ ድሕሪ እቲ ህልቂት፡ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲ ሰባትን ደለልቲን ጽኑዕ ማእሰርቲን ገዚፍ ገንዘባዊ መቕጻዕቲን ዝጽዕን ተሪር ሕጊ ምሕላፉ ይፍለጥ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ንሽበራ ዝዋፈሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምስጋር፥ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ሰጋሮ ክሳዕ ሞት ዝኸይድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣብ ምፍጻም፥ ደቅንስትዮን ትሕቲ-ዕድመን ወገናት ኣብ ምስግጋር፥ ከምኡ’ድማ ወረቓቕቲ ስደተኛታት ኣብ ምትምያን ኣብ ልዕሊ ዝዋፈሩ ገበነኛታት ክሳዕ ንሕልፈት ዝኸይድ ነዊሕ ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ክፍረዱ ዝውስን እዩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ’ዚ ዓመት እዚ’ዉን ግብጺ ምስ መንግስቲ ዓባይ-ብሪጣንያን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ብምትሕብባር፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ብዛዕባ ሓደጋታት ዘይሕጋዊ ስደት ገዚፍ መረዳእታ ወኒኖም ሂወቶም ከየጻግሙን  ኣብ ግብጺ ብዛዕባ ዘሎ ቅሩብ ዕድላት ክፈልጡን ዝዓለመ ዝተወሃሃደ መደብ ኣዉፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።