ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕነት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንምውሓስ ተወሳኺ 90 ሚልዮን ኤሮ ይቕርብ

ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕነት ስደተኛታት ንምውሓስን ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ንምውጋድን ዝዓለመ መደብ ንምድልዳል፡ ተወሳኺ 90 ሚልዮን ኤሮ  ንሊብያ ክህብ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ሓገዝ ብመንገዲ’ቲ ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘነጻጸረ ገንዘባዊ ማዕከን እቲ ሕብረት ዝካተት እዩ።

ህዝብን ሃገርን ሊብያ ዝለዓለ ቆላሕታ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝውንኑ ከምዝኾኑ ዝሓበረት ላዕለወይቲ ወኪል ኤውሮጳዊ ሕብረት ፥ ሕብረታ ጸጥታውን ፖለቲካውን ቅልውላው ሊብያ ነባሪ ፍታሕ ክረክብን ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎ ማእከላይ መንግስቲ ተዶኲኑ ናብን ካብን እታ ሃገር ዝዓርግ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት መግትኢ ክርከቦን ቀጻሊ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኣ።

እታ በዓልቲ-ስልጣን ወሲኻ፥ እቲ ተቐሪቡ ዘሎ ተወሳኺ ገንዘብ፡ መነባብሮ’ቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታትን ነቶም ስደተኛታት ኣዕቚቦም ዘለው ማሕበረሰባት ሊብያን  ንምምሕያሽ  ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸጥታዊ ውድቀት ሊብያ ንምዕራይን ኩሉዓይነታዊ ድሕነት ስደተኛታት ንምውሓስን’ውን ምዃኑ ኣተሓሳሲባ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሊብያ ሰሪቱ ዘሎ ጸጥታዊ ውደቀትን ቅልውላው ስደትን ንምፍታሕ ተራኡ ይጻወት ከምዘሎ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሊብያ ድማ ግዴኦም ክጽዕቱ ዘገንዘበት እታ ላዕለወይቲ ወኪል ፥ ሕብረታ ኣቐድም ኣቢሉ ናይ 120 ሚልዮን ኤሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምቕራብ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታትን ስርሒታት ምድሕን ሂወትን ዝጸንሖም ዓቕሚ ንምዝያድ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣዘኻኺራ።

እቲ ተቐሪቡ ዘሎ ገንዘብ፡ ኪንዮ ድሕነትን ዋሕዚን ስደተኛታት ምግታእ፥ መነባብሮ ሊብያውያን ማሕበረሰባትን ተመዛበልቲን ምምሕያሽ፥ ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ንዘካውኑ መደባት እውን ክምውል ከምዝኾነ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

በቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝሰላሰሉ መደባት ኣብተን ስደተኛታት ከም መተሓላለፊን መጻንሒን ዝጥቀሙለንን፡ ሊብያውያን ተመዛበልቲ ዝርከቡለንን ከባቢታት ሊብያ እዮም ከተኲሩ። ስለዝኾነ ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ዶብን  ማያዊ ገማግማትን እታ ሃገር ዝርከባ ምምሕዳራት መራሕቲን ኣካየድቲን እቶም መደባት ክኾና’የን።