ሃንጋሪ ብመንገዲ ሰርብያ ዝኣትው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ዝጀመረቶ ምህናጽ ካልኣይ ናይ ዶብ ሓጹር ተዛዚሙ
ሃንጋሪ ነቶም ብመንገዲ ጎረቤት ሃገር ሰርቢያ ዝኣትውዋ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምኽልካል ክትሃንጾ ዝወርሐት ካልኣይ ጽኑዕ ሓጹር ከምዝዛዘመቶ፡ ካብታ ሃገር ዝተፈንወ ዜና ኣረዲኡ። እቲ ሓጹር ን 155 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንስልኳ ስደተኛታት ዝከታተላ ዝተራቐቓ ካሜራታትን ሓበርቲ መሳርሒታትን ከምዝዓጥቕ እዩ ተገይሩ ዘሎ።
ብ 31 ሚያዝያ ነቲ ሓጹር ንምዕዛብ ናብ ዶባዊት ከተማ ሮዝኪ ዝበጽሐ ጸሓፊ ሚንስትሪ ውሻዊ ጉዳያት ሃንጋሪ ካሮሊ ኮንትራት ፡ ዶባት ሃገሩ ልዕሊ ካልእ እዋን ተዋሒሱ ከምዘሎ ድሕሪ ምጥቓስ ፡ ሃንጋሪ ዶባታ ብምክልኻል ዶባት ሃገራት ዞባ ሸንገን ትሕሉ ምህላዋ ኣገንዚቡ።
ዋሕዚ ስደተኛታት ልዕሊ ካልእ እዋን ከይብርኽ ተሰጊኡ ስለዘሎ ፡ ምህናጽ’ዚ ጽኑዕ ሓጹር ንሃንጋሪ ኣቐዲማ ክትዳሎ ከምዘኽእላ ወሲዂ ዝሓበረ እቲ በዓል ስልጣን፡ ዕሱል ዋሕዚ ስደት ንኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብዝለዓለ ጸልዩ ምህላዉ ብምዝኽኻር ፥ ምስ ምምጻእ ሓጋይ፡ ቊጽሪ’ቶም ብመንገዲ ሃገራት ባልኻን ናብ ምዕራባውን ሰሜናዉን ክፋላት ኤውሮጳ ከብሉ ዝምድቡ ስደተኛታት ክዛይድ ስለዝኽእል ምቛም እቲ ሓጹር እዋናዊ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ሃንጋሪ ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዝኾኑ ስደተኛታት ዝጸንሓ ኣተሓሕዛ እውን ኣኽሪራቶ ምህላዋ ይፍለጥ። ናብ’ታ ሃገር ዝበጽሑ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ዶብ ዝርከባ ክልተ ነቚጣታት ጥራይ ከምዝጻረን ፡ ስደተኛታት ኣብ ኮንተይነራት ክድጎኑ ዝገብሩን ሕግታት ይስረሓሎም ከምዘሎ እውን ይንገር።
እታ ሃገር ኣብ ዶባታ ኣጽኒዓቶ ዘላ ሓለዋ ንቚጽሪ’ቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትው ስደተኛታት ብርኡይ ኣጒዲልዎ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር። መንግስታውያን ጸብጻባት እታ ሃገር ከምዘነጽርዎ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ዛጊት 165 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከምዝኣተው’ዩ።
ምህናጽ እቲ ካልኣይ ሓጹር ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት እዩ ጀሚሩ። እቲ ሓጹር ጎድኒ ጎድኒ’ቲ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ 2015 ዝሃነጾ ናይ ትሪኳላታ ሓጹር’ዩ ቆይሙ ዘሎ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ