ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሰሙናት ሂወት ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይጠፍእ

TMP – 31/03/2017

ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት ዓስርተ ሰሙናት ናይ 2017 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ዝሰኣኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ፍቕዲ ሰሙናት ዝተመዝገበ ኣሃዝ ከምዝዛይዶ ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ማለት IOM ገሊጹ።

ደሃዮም ንዝሃጠመ ስደተኛታት ዝስንድ ክፍሊ’ቲ ኣህጉራዊ ኣካል ብዝሃቦ እዋናዊ ሓበሬታ መሰረት፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ 14 መጋቢት ናይዛ ዓመት ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ሂወቶም ናይ ዝጠፍአ ስደተኛታት ቊጽሪ ዛጊት ልዕሊ 525 በጺሑ ከምዘሎ ክርዳኣ ተኻኢሉ ኣሎ።

ክሳዕ 14 መጋቢት ዛጊት 19,653 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም ከምዘለው ዘረድአ ሓበሬታ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ፡ ካብዚኣቶም  እቶም 80 ሚእታዊት ናብ ዓዲ-ጥልያን ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ስጳኛን ግሪኽን ዝኣተው ከምዝኾኑ የነጽር።

ቊጽሪ ናይቶም ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሰሜን-ኣፍሪቃን  ካልኦት ከባቢታትን ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም ዘለው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ምስ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ኣሃዝ ክነጻጸር ኣንከሎ ዝወሓደ’ኳ ኣንተኾነ ፥ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሰሙናት’ዛ ዓመት ተመዝጊቡ ዘሎ ልዕሊ 525 ሞት ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ 2016 ዝተመዝገበ ሞት 482 ኣዚዩ ከምዝዛይድ ይግለጽ።

ኣንተኾነ፡ ብዝሒ ናይቶም ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ምስ ተኣኣፋፊ ጉዕዞ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ እንዳተፋተኑ ናብ ዓዲ-ጥልያን ዝኣትው ዘለው ስደተኛታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ  ከምዝዛይድ እዩ ኣዋናዊ ሓበሬታ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ዘረድእ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ዛጊት ልዕሊ 14 ሽሕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ዓዲ-ጥልያን ዝኣተው ኮይኖም እቲ ኣሃዝ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብዕጽፊ ዝበረኸ ኮይኑ ኣሎ።