ኣብ ገማግም ሊብያ ስደተኛታት ብሕጽረት ትንፋስ ሞይቶም

TMP – 12/03/2017

ሬሳታት ናይ 13 ኣብ ኮንተይነር ተዓጽዮም ብሕጽረት ትንፋስ ዝሞቱ ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ እትርከብ ከተማ ተረኺቡ። እቶም ዝሞቱ ክልተ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ዝርከብዎም እዮም።

ብመሰረት ቀይሕ ወርሒ ሊብያ፡ ካብቶም 56 ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ “ዝተፈላለየ ማህረምትን መስበርትን ስለዝነበሮም ህጹጽ ሕክምና የድልዮም ኔሩ።”

እቶም ስደተኛታት ንግሆ 21 ለካቲት ኣብ ምብራቕ ካብ ትሪፖሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ኹምስ እዮም ተረኺቦም። ብመሰረት ሓበሬታ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብቲ ሓጺን ኮንተይነር ንኣርባዕተ መዓልቲ እዮም ተዓሲጎም ቀንዮም።  

ብመደብ እቶም ኣስገርቲ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጃላቡ ተጻዒኖም ናብ ኤውሮጳ ምእንቲ ኽስደዱ፡ እቲ ናይ መራኽብ ኮንተይነር ካብታ ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ሊብያ እትርከብ በኒ ወሊድ ናብ ወደባዊት ከተማ ኹምስ እዩ ዝውሰድ ኔሩ። እንተዀነ ናብ ገምገም ባሕሪ ኸይበጽሑ ኣብ ከተማ ኹምስ ኣብ ጥቓ ሓደ ስደተኛታት ዝዳጐኑሉ ማእከል ደርብዮሞም ሃዲሞም።  

“ብወለንታ ዝሕግዙ ኣባላት ቀይሕ ወርሒ ምስረኸብዎም ቀዳማይ ረድኤትን ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ረድኤት ሂቦም፡ መግብን ኮቦርታታትን ቀሪቦምሎም። ካብቶም ዝደሓኑ ዓዪሻ ዝስማ ጓል 5 ዓመት ህጻን ኔራ፡” ይብል ሓደ ኣፈኝ ቀይሕ ወርሒ ኣብ ኹምስ።

ሞት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ልዕሊ 300 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ኣብ ፈለማ ናይ ወርሒ  ለካቲት፡ ሞተረ ጃልባኦም ብኻልኦት ኣስገርቲ ተሰሪቖም ኣብ ባሕሪ ናይ ዝቐነዩ ሬሳታት 74 ስደተኛታት ምዕራብ ካብ ትሪፖሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጥቓ ኸተማ ዛዊያ ተረኺቡ እዩ።