ሬሳ 74 ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ተኣኪቡ

TMP – 28/02/2017

ብ 21 ለካቲት፣ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማያዊ ገማግም ሴመናዊት ከተማ ዛውያ ብማዕበል ናይ ዝተገፍዑ 74 ሬሳ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዝኣከበ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ። እቶም ሰለስተ ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ግዳያት ኩሎም መንእሰያት ኮይኖም ዜጋታት ሃገራት ሳህለ-ሳህራ’ዮም።

ቀይሕ-ወርሒ ሊብያ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ምድሓን ሂወት ዝነጥፋ ኣሃዱታቱ ዘካየደኦ ሬሳታት ናይ ምእካብ ሓገዝ  ልዕሊ 6 ሰዓታት ከምዝወሰደለን ፣ ዛጊት ደሃዮም ዘይተረኽበ ግዳያት ብምህላዎም እዉን ቊጽሪ ምውታት  ኪዛይድ ተኽእሎታት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ወሃቢ ቃል ቀይሕ-ወርሒ ሊብያ  ሞሓመድ ኣልሚስራቲ ን ማዕከን ዜና ኣሶሼት-ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ዉን፥ ነቶም ስደተኛታት ኣሳፊራ ዝነበረት ኣብዚ እዋን እዚ ኣሰጋገርቲ ብልምዲ ልዕሊ 120 ስደተኛታት  ካብ ዝጽዕኑለን ማእከላይ ዓቐን ዘለወን ጀላቡ ዝኾነት ናይ ፕላስቲክ ጃልባ፣ ኣብ’ቲ ሬሳታት ዝተኣከበሉ ማያዊ ከባቢ ዓንያ ብምርካባ ፣ ብዝሒ ናይ ዝርከቡ ሬሳታት ክዛይድ ከምዝኽእል ኣሚቱ’ሎ።

ብመሰረት መግለጺ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IOM) ፥ ኣሰጋገርቲ ነታ ቅድሚ ውሑዳታት መዓልታት ካብ ገማግም ከተማ ዛውያ ዘበገሱዋ ጃልባ ሞተራ ኣምሊቖም  ባዕላ ከተንሳፍፍ ከምዝሓደጉዋ ፣ ድሕሪ ዝሰዓባ ውሑዳት መዓልታት ድማ እቲ ኣሰቃቒ ህልቂት ከምዘጋጠመ የረድእ።

እቲ ናይ 21 ለካቲት ተርእዮ ፣ ኣሰጋግርቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘርእይዎ ጭካነ ይዛይድ ከምዘሎ ዘርኢ ብምዃኑ ንሓያሎ ኣካላት ረድኤት ኣሻቒሉ ኣሎ።

እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ህልቂት ናይ ሓደ ፍጻሜ’ኳ እንተኾነ ፣ ኣሰጋገርቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተመደበን ክሳዕ መቅተልቲ ዝኸይድን በደላት ብዝሕየለ መልክዑ ክውድቡ ጀሚሮም ከይህልዉ ንዝብል ፣ ዛጊት ንዘይተገንዘብናዮን ዘይፈለጥናዮን ሓቂ  ከነስተብህለሉ ዝቕስበና ፍጻሜ’ዩ፣” ይብል ወሃቢ ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ስደት።

ብመንገዲ ሊብያ ናብ ዓዲ-ጥልያን ዘአንፍት መስመር ዋሕዚ ስደተኛታት  ኣብ ዓመተ 2016 ዝለዓለ ሰብኣዊ ህልቂት ዝተመስገበሉ መስመር ከምዝኾነ ይንገር። ትካል ሓለዋ ዶባትን ማያዊ ገማግምን ኤውሮጳ ኣብ 2016 ሂወት 4,579 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብቲ ማያዊ መስመር ከምዝሃለቐ ይገልጽ። ኣብ ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ ናይ 2017’ውን ልዕሊ 330  ስደተኛታት ኣብ’ቲ መስመር ከምዝሃለቚ፣ ሃለዋቶም ዛጊት ዘይተሰነደ ኣብቲ ማያዊ ኣካል ዝጠፍኡ ስደተኛታት ብህላዉ ድማ እቲ ክዉን ፍቕዲ ልዑል ከምዝኾነ’ዩ እቲ ኤውሮጳዊ ትካል ዘተሓሳስብ።

ከምዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታታት ንምግታእ ኣብ ሞንጎ ጥልያንን ሊብያን ተበጺሑ ዘሎ ፡ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እዂል ስለጠናታትት ክረኽቡን ኣብታ ሃገር ስደተኛታት ዝእከቡለን ማእከላት ክዱከናን ዘኽእል ፊናንሳዉን ቀረባዉን ሓገዝት ዘውህብ ስምምዕ፡ ብቐጥታ ደጊፉዎ እዩ።