ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን መንግስቲ ሆላንድን ናይ 30 ሚልዮን ኤሮ ልምዕታዊ ሓገዝ ይረኽቡ

TMP- 04/03/2017

ኤውሮጳዊ ሕብረትን መንግስቲ ሆላንድን ናይ ኤውሮጳ ንዘምርሕ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘነጻጸረ 30 ሚልዮን ኤሮ ዝሰልዑሉ ሓድሽ ልምዓታዊ መደባት ኣውፊሮም ከምዘለው ተገሊጹ።

እቲ መደብ ሓደ ክፋል ናይቲ እቶም ክልተ ወገናት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከውፍርዎም ዓሊሞምዎም ዘለው ዞባውያን መደባት ኮይኑ ፥ ነቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዘለው ዚጋታት ኤርትራን ሶማልን ቀጥታዊ ሓለፋ ኣንጺፉ ኣብ ከባቢ እተን መዓስከራት ዝርከቡ  ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ተዛማዲ ረብሓ ክቕርብ እዩ።

መሰረታዊ ዕላማ እቲ መደብ መነባብሮን ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንስደተኛታት እኲልን ክፉትን ጌርካ ፣ እቶም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ዝትልሙዎ ጉዕዞ ስደተ ከምዝዋደቕ ንምግባር እዩ።  

ወግዓዊ ምጅማር ናይቲ መደብ ብላዕለዋይ ልኡኽ ኤሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያን ብምክትል ሓላፊ ክፍሊ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሆላንድን እዩ እብ ዝሓለፈ 22 ለካቲት ተነጊሩ።

እቲ መደብ ብ ገንዘባዊ ማዕከን ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኣፍሪቃ’ዩ ክምወል ። ተመሳሳሊ መደብ ኣብ ኬንያ ተፈሊሙ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ እቲ ዞባዊ ልምዕታዊ መደብ ንስደተኛታት ኣብ ሶማልን ሱዳንን እውን ክትግበር ከምዝኾነ የረድኡ። ቀጻልነትን ተግባራዉነትን እቲ መደብ፣ ምስ ሰብ-መዚ ማሕበራት ስደተኛታት፣ ምምሕዳራት ከባቢ፣ ዞባውያን ኣካላት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኤትዮጵያን  ሰባኣውያን ወገናትን ኣንዳተቓረብካ እዩ ክዕመም ።

ማሕበራዊ ድሕነትን መነባብሮን ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ልዑል ቊጽሪ ስደተኛ  ኣንተተመሓይሹ፣  ነቲ ካብታ ሃገር ናብ ኤውሮጳ ዘአንፍት ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደተ ክግታእ ይከኣል እዩ ኣብ ዝብል እምነት ዓሊበን ዘለዋ ሓያሎ ሃገራትን ልምዓታዉያን ትካላትን ኤውሮጳ ተመሳሰልቲ መደባት ኣብ ኢትዮጵያ ይምዉላ ከምዘልዋ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ኣዕቚባቶ ብዘላ ብዝሒ ስደተኛ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ኮይና ፥ ኣብታ ሃገር ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ደቡብ-ሱዳንን ከምዝኾኑ ዝንገረሎም ከባቢ 800,000 ስደተኛታት ይርከቡ።