ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ብጃላቡ ዝጕዓዙ ስደተኛታት ሒዛ
ብ5 ለካቲት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ልዕሊ 400 ብጃላቡ ኣሰጋገርቲ ናብ ኤውሮጳ ዝጕዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት
ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።
እቲ መግለጺ ካብቲ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንሊብያ ኣብቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ዝገብርዎ ቓልሲ ከእትውዋ
ዝተሰማምዑሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ተዋሂቡ። እቲ ስምምዕ ንሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ካልኦት ምስቲ
ኣርእስቲ ዝተኣሳሰሩ ኣካላት ጸጥታን ምስልጣንን ምዕጣቕን ዘጠቓልል እዩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ንሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ካልኦት ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገርን ንምድጋፍ፡ ከምኡውን ንወኪል
ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደትን ንምሕጋዝ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዩሮ ከውጽእ እዩ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፋኢዝ ስራጅ ኣብ ሮማ ድሕሪ ምርካቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ፓውሎ ጀንቲሎኒ
ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ “ንእሽቶ ኽፋል” ናይ ሓደ ዝዓበየ ብ3 ለካቲት ኣብ ማልታ ዝተዘተየሉ
መደብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መንጎ ሃገራት እቲ ሕብረትን ሊብያን ዝብጻሕ ስምምዓት ክድግፍ ተሰማሚዑ እዩ።
ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡ ካብ 2 ክሳብ 4 ለካቲት፡ 431 ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፈተኑ
ስደተኛታት ከምዝሓዘ ገሊጹ። ኣፈኛ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጀነራል ኣዩብ ቓስም፡ እተን ጃላቡ ኩለን ኣብ ጥቓ እታ ካብ
ትሪፖሊ ንምዕራብ 70 ኪሎሜተር ርሒቓ እትረብ ጥቓ ከተማ ሳብራታ ከምዝተታሕዛ ገሊጹ።
“እቶም ስደተኛታት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኣንስትን ቆልዑን ዝርከብዎም
እዮም፡” ይብል ጀነራል ቓስም።
“ኣስገርቲ ነቲ ዝገበርናዮ ናይ ምእሳር መስርሕ ተዅሲ ብምኽፋት ከበርዕንዎ ፈቲኖም፡ እንተዀነ ሓለዋ ገማግም
ባሕሪ ተዅሲ ምስመለሱሎም እቶም ኣስገርቲ ክሃድሙ ተገዲዶም፡” ይብል።
እቶም ሓለዋ ገማግም ብተወሳኺ ብ27 ጥሪ ሶርያውያን፡ ሊብያውያንን ፍልስጤማውያንን ስደተኛታትብሰለስተ ጃላቡ
ዕንጨይቲ ናብ ኤውሮጳ እናተጓዕዙ ኸለዉ ከምዝሓዝዎም ኣፍሊጦም።
ክሳብ ፈለማ ለካቲት እንተወሓዱ 253 ዝበጽሑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኽሰግሩ ኽብሉ ኣብ ማእከላይ
ባሕሪ ጥሒሎም ሞይቶም ኣለዉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ